እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንኣፍቃሪቱ ኣብ ውሽጢ ማይ ኮይኑ ንመርዓ ክሓታ ዝፈተነ ውልቀ ሰብ ጥሒሉ
ኣብ ታንዛንያ፡ ስቲቨን ወበር ዝተባህለ ኣሜሪካዊ ኣብ ውሽጢ ማይ ኮይኑ ንኣፍቃሪቱ ንመርዓ ክሓታ ክብል ጥሒሉ ከም ዝሞተ ተሓቢሩ።
እቲ 'ሞንታ ሆተል' ኣብ ዝታበህለ ደሴት ፕሞባ ኣብ ዕረፍቲ ዝነበረ ወበር፡ ምስ ኣፍቃሪቱ ከነሻ ኣንትዋን፡ ኣብ ትሕቲ ማይ ኣብ ዝተሃንጸ ካቢን (ኣጉዶ) ንኣርባዕተ ለይቲ ተኻርዮም፡ ንለይቲ 1700 ዶላር እናኸፈሉ እዮም ዝድቅሱ ነይሮም።
ስቲቨን ወበር፡ ኣብ ሳልሳይ መዓልቶም፡ ኣብ ትሕቲ ማይ ኮይኑ ንኣፍቃሪቱ ንመርዓ ክሓታ ክብል እቲ ብሓደጋ ሞይቱ።
ወበር ንኣንትዋን "ተመርዓውኒ እባ" ንኽብላ፡ ኣብ ማይ ዘሊሉ ክኣቱ እንከሎ ካብቲ ቦታ ዝተወስደ ስእሊ የርኢ።
ኣፍቃሪቱ ድማ፡ ወበር፡ ናብቲ ማይ ዘሊሉ ምስ ኣተወ ክወጽእ ከም ዘይከኣለን ብኡ ንብኡ ከምዝሞተን ተዛሪባ።
ዋና ኣካያዲ እቲ ሆቴል እውን ወበር ዝሓለፈ ሓሙስ ብዘሕዝን ሓደጋ ኣብ ውሽጢ ማይ ከም ዝሞተን ኩሉ ሰብ ብልቢ ከምዝሰንበደን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ወበር፡ ንኣፍቃሪቱ፡ ''እቲ ኣነ ብዛዕባኺ ዘፍቅሮ ኩሉ ንኽነግረኪ ትንፋስ ይሓጽረኒ። ግን ብልቢ እየ ዘፍቅረኪ'' ዝብል ጽሑፍ ኣብ ውሽጢ ማይ ኮይኑ ከንብበላ ፈቲኑ ነይሩ።
እቶም ኣብቲ ሆተል ዝነበሩ ሓንበስቲ፡ ንወበር ክድሕንዎ'ኳ እንተተጓየዩ፡ ኣብቲ ንሱ ዝነበሮ ዕምቆት ምስ በጽሑ ግን፡ ወላ ሓንቲ ክገብሩ ከምዘይከኣሉ ሓቢሮም።
ኣፍቃሪቱ ኣንትዋን፡ ኣብ ገጻት ፈይስቡካ ኣብ ዝጠቕዓቶ ጸሑፍ፡ "ኣፈቃሪየይ መልሰይ ንኽሰምዕ ዕድል ኣይረኸበን" ድሕሪ ምባል፡ ''ኣነ ሚልዮን ግዜ ንመርዓ ሕራይ ምበልክዎ'' ኢላ ጽሒፋ።