እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ወርቂ ዝተሰርሐ ባዞ ሽቓቕ ተሰሪቑ
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብ18 ካራት ወርቂ ዝተሰርሐ ባዞ ሽቓቕ ካብ ቤተ መንግስቲ ከብሌንሄይም ከምዝተሰረቐ ተገሊጹ።
እቲ ብዝገርም ጥበባዊ ስርሓት ዝተሰርሐ ናይ ሽቓቕ መጥቀሚ፡ ናብ ቤተ መንግስቲ ሰይሩ ብዝኣተው ጉጅለ ሰረቕቲ ከምዝተሰረቐ ፖሊስ ሓቢሩ ኣሎ።
ኣሜሪካ ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ ዝነበረ እዚ ካብ ወርቂ ዝተሰርሐ መጥቀሚ ሽቓቕ፡ በጻሕቲ ዓዲ ይጥቀሙሉ ከምዝነበሩ ይግለጽ።
እቲ ኣቕሓ ዛጊት ኣበይ ከምዘሎ ዝፍለጥ ነገር እኳ እንተዘየሎ፡ ምስ ጉዳይ ዝተጠረጠሩ 66 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው።
እቶም ሰረቕቲ ነቲ ባዞ ሽቓቕ ነቒሎም ምስ ወሰድዎ፡ ናይ ማይ መስመር ሻምበቆ ነቲ ክፍሊ ብማይ ከምዝመልኦ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
እቲ ካብ ወርቂ ዝተስርሐ መጥቀሚ ሽቓቕ፡ ብኢጣልያዊ ስነጥበበኛ ማውሪዚዮ ካቴላን እዩ ተሰሪሑ።
እቲ ስሙይ ቀዳማይ ሚኒስትር እንግሊዝ ነበር ሰር ዊንስተን ቸርችል ዝተወለደሉን፡ ኣብ መበል 18 ክፍለዘበን ከምዝተሰርሐ ዝግለጸሉ እዚ ቤተ መንግስቲ፡ ኣብ መዝገብ ዓለምለኸ ሓድግታት ሰፊሩ ይርከብ።
ድሕሪ እቲ ዘጋጠሞ ስርቂ ግን፡ መርመራ ክሳብ ዝዛዘም ንበጻሕቲ ዓዲ ዕጽው ኮይኑ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
እቶም ሰረቕቲ ነቲ ክቡር ኣቕሓ ንምዝማት፡ ክልተ መካይን ከምዝተጠቐሙ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተል ዘሎ መርማሪ ፖሊስ ጄስ ሚልን ሓቢሩ።
"ዋላ'ኳ ክሳብ ሕጂ ነቲ ንብረት ክነምልሶ እንተዘይከኣልና ስራሕቲ መርመራና ኣሐይልና ቀጺልና ኣለና። ኣብ ቀረባ እዋን ውጽኢት መርመራና ዛዚምና ነቶም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ከምእነቕርቦም ተስፋ ይገብር" ክብል ድማ ገሊጹ።
እቲ ካብ ወርቂ ዝተሰርሐ መጥቀሚ ሽቓቕ፡ ኣብ 2017 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ንኽወስዶ ሕቶ ቀሪብሉ ምንባሩ ይዝከር።