40 ዓመት ሃማደኤ፡ 'ንትጽቢትናን ሃንቀውታናን ኣየማለአን'

ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ሓደ ካብ ዓበይቲ ጨናፍር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ኣብ 1979 ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ እዩ ተመስሪቱ።

ዘይመንግስታዊ ማሕበር ሃማደኤ ንምምሕያሽ ኩነታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝቃለስ ዘሎ ትካል ምዃኑ እቲ ማሕበር ይገልጽ።

እቲ ማሕበር፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ንደቂ ኣንስትዮ ኣንቂሑን ወዲቡን ኣብቲ ቃልሲ ከም ዝሳተፋ ኣብ ምግባር'ውን ልዑል ኣበርክቶ ዝገበረ ማሕበር ከም ዝነበረ ይግለጽ።

ደሕሪ ናጽነት ኤረትራ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓተን ክብ ንምባል፡ መባእታዊ ትምህርቲ፡ ናይ ልቓሕ መደባት፡ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ትምህርትን ካልእ ናይ ሞያ ስልጠናታትን ብምሃብ፡ ንተራ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ክሰርሕ ጸኒሑ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ማሕበር ድሕሪ ናጽነት ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ አይተጣበቐን ብምባል ብዙሓት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ይነቕፍኦ።

ሎሚ እቲ ማሕበር መበል 40 ዓመት ምስረትኡ ንምብዓል ኣብ ከተማ ቦሎኛ ጽምብላቱ ኣብ ምክያድ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን፡ እዚ ማሕበር እዚ ንትጽቢትናን ሃንቀውታናን ኣየማለአን ዝብላ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስተዮ ተቃውሞአን ከስምዓ ኣብታ ከተማ ተረኺበን ኣለዋ።

ኣብ ኣካይዳ ሃማደኤ ዘለዋ ተቓውሞ ከተስምዕ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ቦሎኛ ዝተጉዓዘት ኣባል ውህደት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣምና ኢድሪስ፡ "ሃማደኤ ዝተመስረተሉ ዕላማ ረሲዑ መሳርሒ ናይቲ ስርዓት [መንግስቲ ኤርትራ] ኮይኑ ብምህላው ከም ዘይውክለና ንዓዐንን ንህዝቢ ዓለምን ክነፍልጥ ኢና ኣብ ቦሎኛ ተረኺብና" ትብል።

ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር ዝነበረት ተቐማጢት ጀርመን ኣድያም ተፈራ ኣብ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓላፊት ቤትጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ሓንቲ ካብ ኣወሃሃድቲ እቲ ተቓውሞ ድማ እያ።

ኣድያም፡ ሃማደኤ ኣብ እዋን ቃልሲ ዝነበሮ ኣበርክቶ ዝጉሰይ ከም ዘይኮነ እኳ እንተገለጸት፡ ድሕሪ ናጽነት ግና ነታ ቀዳመይቲ ዓንቐጽ ናይ ዕላምኡ ክሰርሓሉ ከምዘይከኣለ እያ ትገልጽ።

"ኣብ 1991 ከም ማሕበር ናይ ደቂ ኣንስትዮ ርእስና ክኢልና ካብ ህዝባዊ ግንባር ተፈሊና ሕቶ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክንምልስ ኢና ኢለን። እንተኾነ ግን ነተን ምሳኣተን ዝነበራ እሞ ዝተኣሰራ ኣባላተን'ኳስ ክሓታለን ኣይከኣላን"

"በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ሃማደኤ ንኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝውክላ ዘይኮናስ፡ ነተን ምስአን ኣብታ ሓጹር ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝውክላ እየን" ብምባል ሃገራዊ ዝብል ስም ኣይግብአንን'ዩ ትብል።

ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልስን ህይወትን ተሰሊፈን ብዘንጸባረቕኦ ብቕዓት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ጾታዊ ማዕርነት ዝሓሸ ግንዛበ ክህልዎ ከምዝገበራ ጸብጻባት እቲ ማሕበር የረድእ።

ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዘለው ዓመታት'ውን ኣብ መዳያት ጥዕና ነፍሰጾር ኣዴታት፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መባእታን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲን ምውጋድ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮን ዓወታት ክተመዝግብ ከላ፡ ተራ ሃማደኤ ጎሲኻ ዝርአ ኣይኮነን።

ከም ቀንዲ መሰረት ምዕሩይነት ከም ዝኾነ ንዝገልጾ ዓውደ ትምህርቲ ከም ኣብነት ዝጠቕስ ጸብጻብ እቲ ማሕበር፡ "ሱታፌ ደቀንስትዮ ኣብ ኩሉ ደረጃታት፡ እንተላይ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ምስ ደቂተባዕትዮ ኣብ ዝዳረገሉ ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ" ይብል።

ወሲኹ'ውን እቲ ጸብጻብ "ጽንባረአን ኣብ ኩሉ ሞያታት፡ እንተላይ ኣብቲ ንደቂተባዕትዮ ጥራይ ተሓዚኡ ዝነበረ ዕዮታት ዓቢይ ለውጢ" የመዝግብ ምህላው ይጠቅስ።

ኣምና ኢድሪስ ግና ካብ ፈለምኡ ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ምምስራቱ ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣቱ እዩ ዝብል ርእይቶ እዩ ዘለዋ።

"ኣነ ሓንቲ ካብተን ኤርትራዊት ኣብ ሃገር ዝነበርኩ፡ ኣብ ሳዋ ከይደ ብዙሕ ዝረኣኽዎ ወጽኣታት፡ ተመሊስካ ኬድካ ከም ኣባል ከምዚ ይግበር ኣሎ ኢልካ ደፊርካ ዘይትዛረበሉ ቤት ጽሕፈት እዩ"

"ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድላት ክወሃብ ከሎ'ውን ክንደይ ሚእታዊ ደቂ ኣንስትዮ እየን እቲ ዕድል ተዋሂብወን? እቲ ማሕበር ስለምንታይ እቲ ፍርቂ ንደቂ ኣንስትዮ ክወሃብ ዘይሞገተ?" ብምባል ዝኾነ ዝረኣያ ኣወንታታት ከም ዘየሎ ትገልጽ።

ደገፍትን ተቓወምትን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝኾኑ ክልተ ጉጅለታት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ቦሎኛ ተረኺቦም ምህላዎም ዝገለጸት፡ ካብ ኣወሃሃድቲ እቲ መደብ ዝኾነት ፌቨን ጌድዎን ብወገና "ወጽዓና ከብቕዕ እንተኾይኑ ንሓቂ ደው ክንብልን ኩልና ሓቢርና ምስ እንቃለስን ጥራይ እዩ" ኢላ።