ቤቲ ቢጎምበ፡ ምስ መራሒ ዩጋንዳዊ ዕጡቕ ሓይሊ ኤል ኣር ኤ ዝተመሓዘወት ጓል ኣንስተይቲ

ቤቲ ቢጎምበ ምስ ተዛታዪ ኤል ኣር ኤ ብሪጋ ሳም ኮሎ (የማን) ኣብ 2004

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቤቲ ቢጎምበ ምስ ተዛታዪ ኤል ኣር ኤ ብሪጋ ሳም ኮሎ (የማን)

ኣብ መወዳእታ 1950ታት፡ ቤቲ ቢጎምበ ኣብ ሰሜናዊ ዩጋንዳ ትዓብየሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ኣርባዕተ ማይል ብእግራ ተጓዒዛ ናብ ቤት ትምህርቲ ትኸይድ ነይራ። ተማሂራ ጥራይ ህይወታ ከምእትቕይርን ኣብ ሕብረተሰባ ኣስተዋጽኦ ከምእትገብርን ድማ ተረዲኣ።

ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ግን፡ "ኣስተዋጽኦኣ" ናይ ዞባኣ ሸከም ተሰኪማ ምስ`ቲ ጨካን መራሒ ናይ`ቲ ሎርድስ ረዚስታንስ ኣርሚ [ኤል ኣር ኤ] ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ ጆሴፍ ኮኝ ናይ ሰላም ዘተ ከተካይ ፈቲና።

ቢጎምበ 11 ኣብ ዝኣባላታ ስድራቤት መበል ሻሙነይቲ ኮይና`ያ ተወሊዳ፡ ኣብ`ቲ ክሳብ ሕጂ ንሓደ ሰብኣይ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ክትህልዎ ዘፍቅድ ሕብረተሰብ ድማ ዓብያ።

"እንተዘይምሃር ነይረ፡ ከም ሓንቲ ሰበይቲ ናይ ሓደ ብዙሓት ኣንስቲ ዘለውኦ ሰብኣይ ኮይነ፡ 20 ቆልዑ ወሊደ፡ ሓደ ቆልዓ ኣብ ዝባነይ ጸይረ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ትሕተይ ኮይኑ ፍሑኽ እናበለ መዓልታዊ ናይ ማሕረስን ዓጺድን ስራሕ እናሰርሕኩ ኣብ ሓደ ገጠር እነብር ምሃለኹ ነየረ" ትብል ንሳ።

መንእሰይ ኮይና ትምህርታ ኣብ እትቕጽለሉ ዝነበረት እዋን ስድራቤታ ገንዘባዊን ሞራላውን ሓገዝ ናይ ቤተክርስቲያን ነይርዎም፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ናይ ኣሜሪካ ንኽትመሃር ማህደር ትምህርቲ ክትረክብ በቒዓ።

ኣብ ፈለማ ናይ 1980ታት ተመርዕያ ክልተ ቆልዑ ወሊዳ ናብ ዓዳ ተመሊሳ። ሃገራ ዩጋንዳ በቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፕረሲደንት ሚልተን ኦቦተን ዕጡቕ ተቓዋሚ ሓይሊ [ናይ ሕጂ ፕረሲደንት] ዮወሪ ሙሰቬኒን ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ተሸሚማ ነይራ።

ቤቲ ቢጎምበ (የማን) ምስ ኣዲኣን ሓፍታን

ምንጪ ስእሊ, Betty Bigombe

መግለጺ ስእሊ, ቤቲ ቢጎምበ (የማን) ምስ ኣዲኣን ሓፍታን

"ሽዑ ደገፍቲ ሙሰቬኒ ዝኾኑ ገለ ሰባት ይሓብእ ነይረ። ምስ ሓንቲ ምስ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ትሰርሕ ዝነበረት ጀርመናዊት ተሓባቢርና ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ንዝወደቐ ሰባት ናብ ኬንያ ነህድሞም ኔርና።

"ኣብ መኪናኻ ባንዴራ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እናምበልበልካ ክትንቀሳቐስ ቀሊል`ዩ ነይሩ። ብዙሓት ናይ ተፍትሽ ነቑጣታት ሓሊፍና ድማ ናብ ውሑስ ቦታ ነውጽኦም ኔርና። ንሱ`ዩ ድማ ነቲ ቃልሲ ኣንጻር ግህሰት ፍትሒ ኣበጊስዎ" ትብል ቢጎምበ።

ሕጂ'ውን ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሙሰቬኒ፡ ኣብ 1986 ፕረሲደንት ኮነ፡ ንቢጎምበ ድማ ሚኒስተር ገይሩ ብምሻም ክሒስዋ።

"ምስ ተሸምኩ ብጣዕሚ ተቐይመ። ምኽንያቱ ኩሎም`ቶም ሚኒስተራት ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ`ዮም ነይሮም። በቃ ኮፍ ኢለ ጋዜጣ ከንብብ ጥራይ`ዮም ዝነግሩኒ ነይሮም።

"በዚ ምኽንያት ድማ ናብ`ቲ ፕረሲደንት ከይደ ኣብ ጋዜጣ ዝሰፍር ዝተመሳቐለ ቃላት [ክሮስ ዎርድ] ምምላእን መጻሓፍ ልቢ ወለድ ሒዘ ኣብ ቤት ጽሕፈት ክውዕልን ስለዘይደሊ ካብ`ቲ ካቢነ ክወጽእ ከምዝደሊ ነጊረዮ። ኣፍሪቃውያን ሚኒስተራት ብወለንታ ስልጣኖም ኣይለቁን`ዮም፡ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ" ትብል ንሳ።

ቢጎምበ ሓደ ውጥን ኣውጺኣ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይ`ታ ሃገር ኲናት ተወሊዑ ብምንባሩ፡ ከይዳ እቶም ዕጡቓት ኣበይ ከምዘለዉን ኣጽዋሮም ኣበይ ከምዝኽዝንዎን ንምፍላጥ ወለንታኣ ገለጸት።

ሙሰቬኒ ግን እቶም ዕጡቓት ኲናት ደው ከብሉ ከተዘራርቦም ትኽእል እንተኾይና ጥራይ ናብኡ ከምዝሰዳ ኣተምቢሁ።

ቤተሰባን መሓዙታን ግን እዚ ተልእኾ`ዚ ነፍሰ-ቕትለት ኮይንዎም።

"ብዙሓት ሰባት `ክትቅተሊ`ዩ ደልዩኪ፡ ስልጣንኪ ልቐቒ` ኢሎሙኒ። መሓዙተይ መጺኤን `ንምታይ`ዚ ስራሕ`ዚ ሂቡኪ? እዚ፡ ስራሕ ሰበይቲ ኣይኮነን፡ ተመክሮ የብልክን` ኢለናኒ'"።

ብርግጽ፡ ዋላ ሓደ ምስ መራሒ ኤል ኣር ኤ፡ ጆሴፍ ኮኝ ክዘራረብ ዝፍትን ደፋር ሰብ ኣይነበረን። እቲ ሕጂ ልኡኽ እግዚኣብሄር`የ ዝብል ዝነበረ ኮኝ ኣብ ቤተክርስቲያን ሰደቓ ቁርባን ዝኣሊ [ኣልታር ቦይ] እዩ ነይሩ። ንኣባላት ናይ`ቲ መሲሓዊ ኣምልኾኡ፡ ኣዋልድ ክጨውዩን ክደፍርወንን ሓቢርዎም። ንኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ሰብ ክቐትሉ ዓሊምዎም።

መራሕቲ ኤል ኣር ኤ ናብ ቢጎምበ ደብዳበ ሰዲዶም፡ ሙሰቬኒ ሰበይቲ፡ ምስ`ኣቶም ክትዘራረብ ምስዳዱ ኖኣታቶም ጸርፊ ምዃኑ ሓቢሮማ። ክቐትልዋ ምዃኖም ድማ ፈኪሮሙላ። ንሳ ግን እቲ ኲናት ከብቅዕ ኣለዎ ብምባል ቆሪጻ ነበረት።

መራሕቲ ኤል ኣር ኤ፡ ጸኒሖም ድማ ንሓደ ግዳይ ጭካነ ኾኝ ዝኮነ ሰብ ብኣካል ብምስዳድ ካልኣይ ደብዳበ ከም ዘብጽሓላ ገበሩ።

"እቲ ሰብ [እቲ ዝተላእኸ ግዳይ] መጺኡ። ከመይ ክሳብ ሽዑ ብህይወት ጸኒሑ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን። ዝኾነ ይኹን ናይ ረኽሲ መድሃኒት ኣይተወግአን። ከናፍሩን ኢደ እግሩን ተቖሪጾም`ዮም፡ ብደም ጨቅዩ`ዩ ነይሩ። እታ ናባይ እተላእከት ደብዳበ እትበሃል ነገር ድማ ብደም ተለዊሳ`ያ። ሓቂ ንምዝራብ፡ ክትንክፋ`ውን ኣይከኣልኩን"።

ጆሴፍ ኮኝ ኣብ 2006

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጆሴፍ ኮኝ ኣብ 2006

ዕጅብ ከይበላ፡ ቢጎምበ ናብ ኮኝ መልሲ ንምጽሓፍ ወሰነት። ምስ`ኡ ጽቡቕ ርክብ ንምምስራት ድማ "ዝ`ወደይ" እናበለት ሃይማኖት ተጠቒማ ጸሓፈትሉ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኮኝ ክረኽባ ተሰማሚዑ። ከየቐጥቅጣ ብምፍራሕ ግን ብኡ ካብ ምምራኽ ነብሳ ክትቀትል ከምዝሕሻ ኣመነት።

ንፈለማ እዋን ድማ ኣብ ጫካ ተራኺቦም።

"ብዓጀብቲ ተኸቢቡ`ዩ ነይሩ፡ መዝሙር ነይሩ፡ ገለ ብረት ዝዓጠቑ ሰብኡት ድማ ክዳን ደናግል ተኸዲኖም ነይሮም። ይዝምሩን ጋኒን ወጺኡልና እናበሉ ድማ ይወድቁ ነይሮም፡ ክእመን ዘይከኣል ኩነታት`ዩ ነይሩ። ኮኝ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑ ነይሩ። ብርግጽ፡ ንኸፈራርሕ ድሉው ኮይኑ`ዩ መጺኡ"።

ኣብ`ተን ዝቐጸላ 18 ኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ገጽ ንገጽ ርክባት፡ ኮኝ "ማሚ" እናበለ ክጽውዓ ጀሚሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ጫካ ወጺኡ ምስ ፕረሲደንት ሙሰቬኒ ክዘራረብ ተሰማሚዑ።

ቢጎምበ ናብ`ቲ ፕረሲደንት ከይዳ ነቲ ዝርርብ ዝኸውን ባይታ ምንጻፍ ከምዘድሊ ሓቢራቶ። ሙሰቬኒ ግን፡ በንጻሩ፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ ግዳም ናይ ህዝቢ [ፓብሊክ ራሊ] ተረኺቡ ኮኝ ቀልጢፉ ካብ ዘለዎ ቦታ ክወጽእ፡ እንተዘይኮይኑ ግን ካብ ሰራዊት መንግስቲ መዓት ክወርዶ ምዃኑ ፈኪርሉ።

ኮኝን ዕጡቓቱን ድማ ኣብ ጥቓ ዶብ ሱዳን ኣብ እትርከብ ዕዳጋ 300 ሰባት ብምቕታል መልሰ-ግብሪ ሂቦም። ቢጎምበ ዳም ካብ ስልጣና ብምልቃቕ ናብ ኣሜሪካ ኣምሪሓ።

"ኣዝየ ሕርር ኩምትር ኢለ። ኣብ ነፋሪት ምስ ኣተኹ ብኽያት ስዒሩኒ። ብጣዕሚ ዘሰቅቕ ስዕረት`ዩ ነይሩ። ብዛዕባይ ዘይኮነ ግን ብዛዕባ`ቶም ዝሳቐዩ ዝነበሩ ህዝቢ`ዩ ነይሩ" ድማ ትብል።

ቤቲ ቢጎምበ ኣብ ማእከል ዘተ ሰብኣውነት ኦስሎ ፎረም 2018

ምንጪ ስእሊ, Centre of Humanitarian Dialogue

መግለጺ ስእሊ, ቢጎምበ ኣብ ማእከል ዘተ ሰብኣውነት ኦስሎ ፎረም 2018

ንተወሳኺ ትምህርቲ ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምእታው፡ ጸኒሓ ድማ ኣብ ክፍሊ ምፍታሕ ግርጭታት ናይ ባንኪ ዓለም ተቖጺራ ክትሰርሕ ጀሚራ።

ኣብ 2004፡ ሓደ ንግሆ ቴለቪዥን ምስ ከፈተት ግን ኩሉ ነገር ተቐዪሩ። ኤል ኣር ኤ ኣብ ሓደ መዕቆብ ተመዛበልቲ ብማታው ልዕሊ 300 ሰባት ቀቲሉ ዝብል ውዑይ ዜና [ብሬኪንግ ኒውስ] ኣብ መደበር ቴለቪዥን ሲ ኤን ኤን ይጋዋሕ ነይሩ።

"ብሃንደበት ድማ ስእለይ ኣብ ታሕቲ መስኮት ናይ ተሌቪዥን ረኣኹ። ኣብ ትሕቲ`ቲ ስእለይ ድማ እታ እንኮ ነቲ ኲናት ዳርጋ ኣብ መፈጸምትኡ ኣብጺሓቶ ዝነበረት ሰብ፡ እታ እንኮ ምስ መራሒ`ቶም ዕጡቓት ብኣካል ዝተራኸበት ሰብ ዝብል ጽሑፍ ነይሩ። ሽዑ`የ ድማ ሓላፍነት ናይ ምውሳድ ጻውዒት ምዃኑ ተረዲአ"።

ቢጎምበር ናብ ዩጋንዳ ብምምላስ ዳግማይ ምስ ኮኝ ንምርኻብ ክትጽዕት ጀሚራ። ንተበግሶኣ ዝኸውን ምወላ መንግስቲ ዩጋንዳስ ምቕባል ንዘይወገናዊነታ ኣብ ምልክት ህቶ ንኸይእትዎ ብምስጋእ ድማ ናይ ባዕላ ገንዘብ ክትጥቀም መሪጻ። ንመምሃሪ ጓላ ዘዋህለለቶ ገንዘብ ድማ ንመኽፈሊ ቅብሊት ጻውዒት ናይ ሳተላይት ቴሊፎን ተጠቒማትሉ።

ቤቲ ቢጎምበ ኣብ ሰሜናዊ ዩጋንዳምስ ኤል ኣር ኤ ዝርርብ እናኣካየደት፤ ታሕሳስ 2004

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቢጎምበ ኣብ ሰሜናዊ ዩጋንዳምስ ኤል ኣር ኤ ዝርርብ እናኣካየደት፤ ታሕሳስ 2004

ኣብ`ቲ እዋን`ቲ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንኮኝ ብገበናት እዋን ኲናትን ገበናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባትን ከሲስዎ ነይሩ። ዋላ`ኳ ኮኝ ስምምዕ ሰላም ክኽትም ብምእባዩ እቲ ውጥን ኣብ ውዱእ ጊዜ እንተፈሸለ፡ ስራሓት ቢጎምበ ነቲ ኣብ 2006 ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝካየድ ዝርርብ ሰላም መሰረት ኣንጺፎም ነይሮም።

ካብ ሽዑ ንነጆው፡ ኮኝን እቶም ተረፍ መረፍ ናይ ኤል ኣር ኤን ስቱር ኣካይዳ እዮም ሒዞም። ኮኝ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ጥዕና ከምዝሰኣነን ቁጽሪ ዕጡቓቱ ድማ ናብ ትሕቲ ሚእቲ ምንቁልቋሉ ይግለጽ።

ቢጎምበ ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን ናይ ዩጋንዳ ተሞክሮኣ ተጠቒማ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ንምፍታሕ ብውልቃዊ ዓቕሚ ትነጥፍ ኣላ። ኮኝ ኣብ ህይወታ ንሳ ድማ ኣብ ህይወቱ ዓቢ ድርኺት ነይርዎም።

"ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ እዋን ምስ ሓደ ካብ ዕጡቓቱ ተራኺበ ነይረ። ዝገርም`ዩ፡ ገና ይደልዩኒ እዮም። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ሓደ ካብኣቶም ምሳይ ርክብ ብምፍጣር 'ሕጂ ኮኝ ብጣዕሚ ዕቱብ`ዩ፡ ክመጽእ ይደሊ`ዩ' ኢሉኒ። ኣነ ኸኣ 'ኣይትላገጽ፡ መርትዖ ኣቕርበለይ፡ ባዕሉ ይደውለለይ፡ ድምጹ እፈልጦ`የ' ኢለዮ"።