ምልውዋጥ እሱራት ሩስያን ዩክረይንን ምልክት ተስፋ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንዜጋታቱ ኣብ ኤየር ፖርት ዝተቐበሎም ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለነስክይ "እዚ ዘየድሊ ኩናት ከብቅዕ ዝከኣለና ኢና ገይርና" ኢሉ። ሩስያ እውን ዜጋታት ብሰላም ንሃገሮም ምምላሶም ከምዝተሓጎሰት ሓቢራ።
ኣብ 2014 ሩስያ ንዩክሬናዊት ክረምያ ድሕሪ ምጉባጣን ንዩክረናውያን ዕጡቓት ተቓወምቲ መንግስቲ ብምድጋፋን እዩ እቲ ዝምድና ተበላሽዩ።
ኣብቲ ኣብ ዞባታት ዶነተስክን ሉሃንስክን ዘጋጠመ ግጭት ልዕሊ 13ሽሕ ሰባት ሞይቶም።
ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ዝተመርጸ ዩክሬናዊ ሓዲሽ ፕረዚደንት ዘለንስክይ እቲ ቐዳማይ ጻዕረይ ነቲ ዝጸንሐ ግጭት ምዕራፍ እዩ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ሰበስልጣን ሩስያ እውን ብወገኖም ምልውዋጥ እሱራት ንቅልውላው ዩክረይን ኣብ ምርግጋእ ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ገሊጾም።
እቲ ዘተ ኣብ ፍረ ቅድሚ ምብጽሑ ከይብርዕን ክልቲአን ሃገራት ንምልውዋጥ እሱራትን ካልእን ብዝምልከት ብልዑል ምስጢር እየን ክዘራረባ ጸኒሐን።
ተበላሽዩ ዝጸንሐ ዝምድና ናይ ምዕራይ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ ክብሉ ኣድናቖቶም ገሊጾም።
እቲ ምልውዋጥ እሱራት ንመነ መን እዩ ዘጠቓልል
ሩስያ ኣስማት እቶም ብዩክረይን ዝፍትሑ እሱራት ኣይተዛረበትሉን።
ናብ ሩስያ ሰላሕ ኢሎም ከምዝኣትዉ እያ ገይራ። እቲ ምጽንባር ምስ ስድራ-ቤት እውን ከም ናይ ዩክረይን ኣብ ቃልዕ ቦታ ዘይኮነስ ኣብ ዕጹው ገዛ እያ ገይራቶ።
ዩክረይን ግን ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ብሩስያ ዝተፈትሑ 35 እሱራታ ብወግዒ ገሊጻቶ እያ።
ኣብ ዩክረይን እቲ ሃዋህው ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ እዩ ተጸምቢሉ። እቶም እሱራት ክጽበዩዎም ምስ ዝጸንሑ ስድራ-ቤቶምን ሰበስልጣን እታ ሃገርን ኣብ ቅድሚ ካሜራን ሚድያን ብቓልዕን እዮም ሓጎሶም ክገልጹ ተራእዮም።
እቲ ኣብ 2015 ኣብ ክረምያ ግብረ ሽበራዊ ውዲት ክገብር ፈቲኑ ብዝብል ክሲ ተቐይዱ ን20 ዓመት ክእሰር ዝተፈርደን ዩክሬናዊ ቀራጽ ፊልም ኦለግ ሰንትሶቭ እውን ምስቶም ዝተፈትሑ እዩ።
ንሱ ቁጽሪ ሓደ ዩክሬናዊ ፖለቲካዊ እሱር ኣብ ሩስያ እዩ ክረአ ጸኒሑ።
ኣብ 2016 ውዲት ክፍጽም እዩ ኣትዩ ተባሂሉ ኣብ ሞስኮ ዝተኣስረ ጋዜጠኛ ሮማን ሱሸንኮ፡ ኣብ 2014 ኣብ ራሻ ዝተታሕዙ፡ ኣብ 1990 ምስ ቼቼናውያን ኮይኖም ኣንጻር ሶቬት ተዋጊኦም እዮም ተባሂሎም ዝተታሕዙ ዩክሬናውያን ተጣባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሚይኮላ ካርፒዩንኪን ስታኒስላቭ ክላይክህ ካብቶም ዝተፈትሑ እሱራት እዮም።
ሩስያ ብዛዕባ ዝርዝር ዝተፈትሑ እሱራታ እንተዘይተዛረበት እኳ፡ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ዩክረይን ጸረ-ነፈርቲ ረሻሽ ዓጢቑ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ዝተታሕዘ ቮሎድይሚር ትሰማክህ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ምዃኑ ተሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







