ዶክተር ኣሚር ኣማን፡ "መንዲል ንጽህና ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ቐረጽ ናጻ ክኣቱ ክንገብር ኢና"

ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ኣሚር ኣማን፡ መንዲል ንጽህና [ሞዴስ] ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ቐረጽ ናጻ ንክኣቱ ይሰርሕ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

እቲ መናጽሂ ብተመጣጣኒ ዋጋ ንክቐርብን ተበጻሕነቱ ንክሰፍሕን፡ ካብ ቐረጽ ናጻ ክኸውን ምግባር ሓደ መፍትሒ መገዲ ከም ዝኸነ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ሓቢሩ።

መንዲል ንጽህና ደቂ ኣንስትዮ ከም ካልኦት ኣፋውስን ካልኦት መሳርሒታት ሕክምናን፡ ተበጻሒ ንምግባር'ውን መደብ ከም ዘሎ ዝገለጸ ዶክተር ኣሚር፡ ንውሳንኡ ብዝምልከት ኣብቲ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ምስ ፕሬዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብምኻን ንህዝቢ ወግዓዊ ከም ዝገብሩ ኣመልኪቱ።

"ብውልቀይን ሓላፍነተይን፡ ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ መንዲል ንጽህና ክትረክብ ኣለዋ ኢለ ይኣምን" ዝበለ ዶክተር ኣሚር፡ መንግስቲ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

መንግስቲ ዓቕሚ ንዘይበለን ደቂ ኣንስትዮ ብነጻ ከቕርብ ሓላፍነት ኣለዎ ዝበለ እቲ ሚኒስትር፡ ሞዴስ ንምዕዳግ ዓቕሚ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብተመጣጣኒ ዋጋ ኣብ ዕዳጋ ክቐርበለን ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

መንዲል ንጽህና ዘይምርካብ ኣብ ጥዕና ስነ ተዋልዶ ደቂ ኣንስትዮን ምክትታል ትምህርትን ዓብዪ ጽልዋ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ለበዳ ኢቦላ እንተተኸሲቱ ብቕልጡፍ ምላሽ ክህብ ዝኽእል ጉጅለ ከም ዝቖመ ገሊጹ።

ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣትው ወልቀሰባት ኣብ መዐርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ፣ ድሬዳዋን መቐለን መርመራ ኢቦላ ከም ዝግበር ዝገለጸ ዶክተር ኣሚር፡ ኣብ 28 ኬላታት'ውን መርመራ ከም ዝካየድ ሓቢሩ።

"ካብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝመጽኡ ሰባት ኩነታት ጥዕንኦም ዝከታተል ጉጅለ ኣለና። ናብ ሃገርና ካብ ዝኣተውሉ መዓልቲ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 10 መዓልታት ክትትል ክግበረሎም'ዩ" ኢሉ ኣረዲኡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ለበዳ ኢቦላ ንምክልኻል ቅድሚ ሓሙሸተ ዓመት ምንቅስቓስ ከም ዝተጀመረ ብምዝኽኻር፡ ኣብቲ እዋን ቫይረስ ኢቦላ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ምስ ተኸሰተ ኢትዮጵያ ሰብ ሞያ ልኢኻ ምንባራ ኣልዒሉ።

"እቶም ዝልኣኽናዮም ሰብ ሞያ፡ ጎና ጎኒ ዝህቡዎ ዝነበረ ሓገዝ፡ ኢትዮጵየ ብኸመይ ክትከላኸሎ ኣለዋ ዝብል ተሞኩሮ ረኺቦም'ዮም መጺኦም"።

ኣብ ኢትዮጵያ ብኢቦላ ዝጥቅዑ ሰባት እንተተረኺቦም ተፈልዮም ዝሕከምሉ ቦታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከብ። ኣብ ክልላት ድማ እዚ ኣገልግሎት ዝወሃበሎም 11 ቦታታት ተዳልዮም ኣለው።