ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ 'ዓመጽ ኣንጻር ወጻእተኛታት' ኮኒኑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎሳ፡ ኣብ ጆሃንስ በርግ ኣብ ልዕሊ ንብረት ወጻእተኛታት ዝበጽሕ ዘሎ ዘመተን ጎነጽን ኮኒኑ።
"ዝኾነ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ካብ ካልኦት ሃገራት ንዝመጽኡ ሰባት ከጥቅዕ ዝኾነ ምኽኒት ክህልዎ ኣይኽእልን ኢሉ።"
ብሰኑይ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ጆሃንስበርግ ተኣሲሮም። በቲ ዝተፈጥረ ናዕቢ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ ድማ ይግለጽ።
ካልኦት መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዜጋታቶም ክጥንቀቑ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
"ብወጻእተኛታት ዝመሓደሩ ድኳናት ምጥቃዕ ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክፍጸም ዘይንፈቕዶን'ዩ" ክብል ብትዊተሩ ዝጸሓፈ ራማፎሳ "ብቐጥታ ጠጠው ክብል" ከም ዝደልይ ሓቢሩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ "እዚ ፉንፉን ተግባር ጎነጽ" ክኹነን ኣለዎ ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ'ዩ።
እንተኾነ እቲ ዓመጽ ብሰሉስ'ውን ቐጺሉ ኣብ ጆሃንስበርግ ከተማ ኣሌክሳንድራ ዝተርኣየ ኮይኑ፡ ገለ ዝተቖጥዑ ነበርቲ እታ ከተማ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ክሰጉግ ይሓቱ።
ሓደ ድኳኑ ዝተዘምቶ ናይጄሪያዊ ነጋዳይ ግን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘለው ወጻእተኛታት ግዳያት "ብዙሓት ብሂልን ሓሶታትን" እዮም ኢሉ።
"እዚ ገበናዊ ጥቕዓት ዘይኮነ ናይ ጽልኣት ጥቕዓት'ዩ" ድማ ኢሉ።
በዚ ምኽንያት፡ ፕሬዝደንት ናይጄሪያ መሓመድ ቡሃሪ፡ "ናይጄሪያ፡ ብኣተሓሕዛ ዜጋታታ ሕጉስቲ ከም ዘይኮነት" ዝገልጽ መልእኽቲ ልኢኹ።
ኢትዮጵያ ድማ፡ እቲ ዜጋታት ወጻኢ ግዳያት ዝገብር ዘሎ ጥቕዓት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኾኒና።
እቲ ሚኒስትሪ፡ "ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ዜጋታትናን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ዝበጽሖም ዘሎ ጭካነ ዝተመልኦ ጥቕዓት" ክኹነን ይግባእ ኢሉ።
ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ፡ ዜጋታቱ ድኳኖም ዓጽዮም ካብቲ ዕግርግር ክኽወሉ ኣተሓሳሲቡ።
ኢትዮጵያውያን፡ "ካብቲ ግጭትን ጎነጽን ክርሕቑ"፡ ከምኡ'ውን ከም ወርቂ ዝበሉ ክቡራት ነገራት ከይኣስሩ ምዒዱ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሚኒሰትሪ መጓዓዝያ ዛምቢያ፤ ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን "ክሳብ እቲ ኩነታት ጸጥታ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ንቡር ዝምለስ፡ ናብታ ሃገር ዝገብሩዎ ጉዕዞ ከወግዱ" ምዒዱ።
ሚኒስትሪ ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ቤኪ ሲል ግን፡ "ጽልኣት ዘይኮነ ገበን'ዩ" ክብል ነቲ "ትርጉም ኣልቦ ናዕቢ" ኢሉ ዝገለጾ ዘመተ ኾኒኑዎ።
ሎሚ ንጉሆ ድማ፡ ኣብ ከተማ ሉሳካ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝፍጸም ዘሎ ጥቕዓት ዝቃወም ሰልፊ ተኻይዱ። ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ እቲ ኸባቢ ድማ፡ ትምህርቲ ኣብኲሮም። ቀዳም ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ ምሕዝነታዊ ጸወታ ዝወደበ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዛምቢያ ድማ ነቲ ጸወታ ሰሪዙ።
ሰንበት ምሸት፡ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ዝጀመረ ምዝማት ድኳናት ወጻእተኛታት ዘልዓሎ ጎነጽ፡ ምኽንያት ሞት 5ተ ሰባት ኮይኑ'ዩ። ፖሊስ ግን ክሳብወ ሕጂ ብዛዕባ ዜግነት እቶም ግዳያት ዝሃቦ ዝርዝር የለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







