እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"እማመታት ብግብሪ ምስ ዝስነ እዩ ትርጉም ዝህልዎ"
ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ኣውስትራልያን ዝመጽኡ ኤርትራውያን 'ደለይቲ ፍትሒ' ዝተጋብእሉ ካብ 23-25 ነሓሰ ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን ክካየድ ዝጸንሐ ዋዕላ ተዛዚሙ።
ኣብቲ ዋዕላ ንምሕደራ፡ ዕርቅን ዘተን፡ ዲፕሎማስን ዝምልከት ብኪኢላታት ዝቐረበ፡ ሰለስተ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ብኣሰናዳእቲ እቲ ዋዕላ ዝቐረበ ንድፊ እማመን ተጋባእቲ- ብጉጅለታት ኮይኖም ብዕምቆት ዘትዮምሉ።
እተን ኣኣርእስተን ሒዘን ኣብ ኣርባዕተ ተመቓቒለን ዝዘተያ ጉጀለታት ነቲ ዝቐረበ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ዝተፈላለየ ሕቶታት ብምቕራብ ብዝርዝር ከሊሰን ስለዝረኣየኦ ኣብ ዝመጽእ ዝምላእ ተመሊኡ ዝጎድል ጎዲሉ ሓደ መቃለሲ ዕጥቂ ንኪኸውን ዘትየናሉ።
እቲ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ገምጊሙ፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዝዘተየ ዋዕላ፡ ኩሉ ሃገራዊ በብዝኽእሎ ነታ ብከቢድ መስዋእትን ዋጋን ዝተረኽበት ልዑላዊት ሃገር፡ ደሞክራሲያዊ ህዝባዊ መንግስቲ ተኺላ፡ ሰላማን ልዑላውነታን ሓልያን ዓቂባን፡ ደቃ ኣብ ክንዲ ናብ ስደት ናብ ቤት ከምዘማዕድዉ ዝገብር ብስራሕ ዝስነ ተስፋ ንምሃብ ነብሲ ወከፍ ዜጋ ሓላፍነት ክስከም ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ጉባኤ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ሓቢሮም ንኽሰርሑ ኣብ ሚኒሶታ ንዝኣተዉዎ መብጽዓ ብምትግባር፡ ናይ ሓሳብ ሓድነት ፈጢሮም ንጉዕዞ ለውጢ ከቀላጥፉዎ እተን ብስነ-ሓሳብን ርእይቶን ዝቀራረባ ውዳባት ከኣ መምስ ዝዛመደን ተላፊነን ሓድነተን ከደልድላ ተማሕጺኑ።
እቲ ተጋባኢ ከኣ፡ ምዕባለታት እዚ ተጀማሚሩ ዘሎ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ መንፈስ እናተኸታተለ ንዝመጽእ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ነቲ ዕማም ዝመርሕ ኣብ ርእሲ እቶም ዝጸንሑ ኮሚተ ዓሰርተ ሰባት ተወሲኾም ክሰርሑ ኣሚሙ።
እዚ "ትንሳኤን ድሕነትን ንኤርትራ!" ብዝብል መንፈስ፡ ኣብ ኤርትራ ኩሉ መዳያዊ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበርን ክሕሎን፡ ልዕልናን ግዝኣተ ሕግን ክረጋገጽ፡ እቲ ብኩናትን ወጥሪ ዶባትን ተወንዚፉ ዝጸንሐ ሃገራዊ ቅዋም ክትግበር፡ እሱራት ክፍትሑን መኣዲ ዘተ አሕዋት ክስራዕን ዝጠልብን ብገዳይም ተቓለስቲ ደለይቲ ለውጢ ኣዴታትን ኣሓትን ዝነቐለ ተበግሶ መላእ ተጋባኢ ከምዘድነቖን ብኹሉ ዓቕሙ ከምዝሳተፎን ምግላጹ፡ ኣቶ ደስበለ መሓሪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።