እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መጽናዕቲ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ሓደ ሜትሮ ንውሓት ዝነበሮ ጥንታዊ ሕንጻይ ተረኺቡ
ቅድሚ 19 ሚልዮን ዓመት፡ ኣብ ምድሪ ኒውዝላንድ ይነብር ነይሩ ዝተብሃለ፡ ሓደ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ሕንጻይ ተረኺቡ።
እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ እቲ ሕንጻይ [ፓፓጋሎ] ዑፍ፡ ክንዲ ፍርቂ ናይ ሓደ ሰብ ማእከላይ ንውሓት ነይሩዎ ይብል።
ቅሪት ናይዚ ሕንጻይ፡ ኣብ ደቡብ ኒውዝላንድ ጥቓ ቅዱስ ባትሃንስ ዝተረኸበ ኮይኑ፡ ግዝፉ ኣብ ግምት ብምእታው ምንፋር ዘይክእልን ተመጋቢ ስጋ ምንባሩን ይእመን።
ብዛዕባ እዚ ዑፍ ዝምልከት መጽናዕቲ፡ ብሰሉስ እዩ ኣብ ጆርናል ባዮሎጂ ሌተርስ'ዩ ተሓቲሙ።
ልዕሊ 7 ኪሎ ግራም ዝምዘን እዚ ዑፍ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝተረኸበ 'ካካፖ' ዝበሃል ገዚፍ ሕንጻይ ብኽልተ ዕጽፊ ይዓቢ።
"ኣብ ዓለምና ካልኦት ገዘፍቲ ሕንጻያት የለውን" ክብል በዓል ሞያ መጽናዕቲ ዝጸነቱ ፍጥረታት ዩኒቨርሲቲ ኣውስትራሊያን ዋና ጸሓፊ እቲ መጽናዕትን ፕሮፌሰር ትሬቨር ዎርዚ ገሊጹ።
"ሓደ ካብዚኦም ምርካብ ድማ ኣገደሲ'ዩ" ኢሉ።
መትኮብ እቲ ሕንጻይ ኣዝዩ ገዚፍ ስለዝነበረ፡ ንዘደለዮ ክርትምትም ኣቢሉ ክበልዕ ይኽእል ነይሩ ኢሉ መምህር ዩኒቨርሲቲ ኒው ሳውዝ ዌልስ ማይክ ኣርቼር።
"ካብቲ ሕንጻያት ዝበልዑዎ ልሙድ ዓይነታት መግቢ ብተወሳኺ ካልኦት ነገራት ይበልዕ ነይሩ እዩ፡ ዋላ'ውን ንኻልኦት ሕንጻያት" ኢሉ።
ይኹን'ምበር እቲ ዑፍ ሃዳናይ ስለ ዘይነበረ፡ "ኣብ መሬት ኾፍ ኢሉ ኣዝርእትን ካዕካዕን'ዩ ዝምገብ ነይሩ" ክብል ፕሮፌሰር ዎርዚ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።