ምላሽ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣብ ሓሳብ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ

ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ወይዘሮ መኣዛ ኣሸናፊ ሓደ እዋን ኣብ ኣሜሪካ 'ሕጊ ኣየፈፅምን' ዝበለ ክልል ስለዘጋጠመ፡ መንግስቲ ፌደራል ሓይሊ ሰራዊት ሰዲዱ ስጉምቲ ምውሳዱ ብምዝኽኻር ኣብ ኣኼባ ዘቕረብኦ ሓሳብ ንብዙሓት ኣቖጢዑ'ሎ። ከቢድ ስግኣት እውን ፈጢሩ።

ወይዘሮ መኣዛ መዓስን ካብ ምንታይ ብምብጋስን እየን ነቲ ሓሳብ ሂበን?ሓደ ካብቶም ተኣከብቲ: ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ስለዝነበሩ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ክነግሩና ኣዘራሪብናዮም ኣለና።

ቢቢሲ: እቲ ኣኼባ ብዛዕባ እንታይ ዝዝትይ'ዩ ነይሩ?

ኣይተ ኣማኑኤል: እቲ ኣኼባ በብዓመቱ ዝካየድ ሓበራዊ መድረኽ ኣካላት ፍትሒ እዩ ነይሩ:: ኣካላት ፍትሒ ማለት: ፖሊስ፣ ቤት ፍርዲ፣ ዓቃቢ ሕጊ፣ ቤት ህንፀትን ካልኦት ምስ ፍትሒ ዝተዛመደ ስራሕቲ ዝሰርሑ ኣካላትን ዘካትት ኮሚቴ እዩ።

እዞም ኣካላት በብ እዋኑ እናተራኸቡ ኣብ ምምሕያሽ ኣገልግሎት ፍትሒን ኣብ ምኽባር ልዕነት ሕጊን ይዝትዩ፣ ይግምግሙን ልምዲ ይወራረሱን እዮም።

እቲ መድረኽ ከምቲ ልሙድ እዩ ተፀዊዑ። ካልእ ናይ ፍትሒ ወርሒ ዝብል ካብ ፍርቂ ሓምለ ክሳብ ፍርቂ ነሓሰ ከም ዝካየድ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ደብዳቤ ተላኢኹልና ተፀዊዕና ኢና ከይድና።እቲ መድረኽ ካብቲ ዝተለመደ ወፃኢ ኾይኑ 'ኣብ እዋን ስግግር ኣካላት ፍትሒ ዝህልዎም ዕድላትን ዘጋጥሞም ማሕለኻትን እንታይ እዮም?' ዝብል ብመሪሕነት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘተ ተኻይዱ።

ስለ'ዚ ንኣካላት ፍትሒ ከምቲ ልሙድ ኣብ ዝምልከቶም ሕጊ ተንከፍ ጭብጢ እንተይኮነስ: ኣብ ፖለቲካዊ ሓሳብ እዩ ምይይጥ ክካየድ ውዒሉ።

ቢቢሲ:እቲ ስግግር እንታይ ማለት እዩ? ካበይ ናበይ ዝግበር ስግግር እዩኸ?

ኣይተ ኣማኑኤል: ስግግራዊ ፍትሒ ዝበሃል ኣምር'ሎ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ቅልውላው ከጋጥም እንተሎ: ንኣብነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፣ ጎንፂን ድሕረጎንፂን ክኸውን ይኽእል።

እታ ሃገር ካብቲ ኣትያቶ ዝነበረት ቅልውላው ምስ ወፀአት ድሕረ ቅልውላው ክግበሩ ዝግበኦም ጉዳያት እዩ ዝርኢ።

እዚ ድማ ጉዳይ ፍትሒ ጥራሕ ኣይኮነን:: ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ጉዳያት እዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዝተፈፀመ ኣይተረደአንን። ግን ኣጀንዳ ኣካላት ፍትሒ ኮይኑ ውዒሉ።

እቲ ኣጀንዳ ፖለቲካዊ ኮይኑ: እቲ ዘተ እውን ፖለቲካዊ ኮይኑ። ብተወሳኺ ኣብቲ መድረኽ ኣካላት ፍትሒን ምስ ፍትሒ ተዛማድነት ዘለዎም ሰባትን ትካላትን'ዮም ክህልዉ ዝግባእ።

ኮይኑ ግና ኣመራርሓ ተቓወምቲ (ተወዳደርቲ) ፖለቲካዊ ውድባት ነይሮም። ክዛረቡ'የ ርእየዮም።

ቢቢሲ: ንኣብነት በዓል መን ነይሮም?

ኣይተ ኣማኑኤል: ኣይተ ግደይ ዘርኣጽዮን ነይሮም። ሕቶ እውን ኣቕሪቦም። ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣባላት ውድቦም ይግፍዑ ከምዘለዉ፤ እቲ ባይታ ከምቲ ዝነበሮ ይቕፅል ምህላዉ፤ ኣብዚ ድማ መንግስቲ ፌደራል እቲ ኣብቲ መድረኽ ዝዝረብ ዝነበረ 'ከመይ ገይሩ እዩ ናብ ክልላት ከውርዶ?' ዝብል ሕቶ ቀሪቡ እዩ።

ቢቢሲ: እሞኸ ደኣ ወ/ሮ መኣዛ ብኸመይ ኣገባብ እየን ናብቲ ኢለነኦ ዝተብሃለ ሓሳብ ሰጊረን?

ኣይተ ኣማኑኤል: ነቲ ዝተዛረበኦ ዝደፍእ ሕቶ ኣይነበረን። ብምንታይ ከም ዘዛመደኦ ግልፂ ኣይኮነለይን። ንዝተሓተተኦ መልሲ እናሃባ ፀኒሐን፤ ኣብታ ናይ ትግራይ ዝምልከት ሕቶ ኣይተ ግደይ ዘርኣጽዮን ምስበፀሓ ሓደ ኣብነት ከቕርበልኩም ኢለን እየን ናብቲ ዘረባ ኣትየን።'ኣብ ኣመሪካ ኣብ 1950ታት ዓ.ም፡ ፀዓዱን ፀለምትን ኣመሪካውያን ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ ኣለዎም ኣብ ዝብል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ውሳነ ኣሕሊፉ።'

ሓደ ክልል( ንሰን ንግዚኡ ስሙ ረሲዐዮ ዝበለኦ ስቴት) 'ነቲ ውሳነ ክቕበሎ ስለዘይካኣለ ኣብቲ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ኣይዘንሃውር ዝበሃሉ ፕረዚደንት: ወተሃደራዊ ሓይሊ ተጠቒሞም: ንውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከተግብርዎ ከም ዝኸኣሉ' ገሊፀን።

ብድሕሪኡ 'ምእንተ ሃገራዊ ረብሓ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ ክንመሃረሉ እዩ ዝግባእ' ኢለን እየን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምክረ ሓሳብ ሂበን።

ቢቢሲ: ኣብቲ ዋዕላ ዝነበርኩም ተሳተፍቲ ዝሃብክምዎ ርእይቶ ዶ ይነብር? ንኣብነት ንሶም ኣይተ ኣማኑኤል እንታይ ኢሎም?

ኣይተ ኣማኑኤል: እዚ ኣብ መዛዘሚ እቲ ኣኼባ ዝበለኦ እዩ ነይሩ። ቅድሚ ከምኡ ኢለን ምዝራበን ግን ብዛዕባ ትሕዝቶ እቲ ኣኼባ ሓሳብ ሂበ ነይረ።

'እቲ መድረኽ ንኣካላት ፍትሒ ዝምልከት ስለዝኾነ ኣብ ምምሕያሽ ስርዓት ፍትሒ፤ ኣብ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ፤ ኣድሂብና ከም ሃገር ዘጋጥሙና ዘለዉ ፀገማት ከመይ ኢና ንሰግሮም ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ኢና ክንጥምት ዝግበአና። ካብዚ እንተወፂና ናይ ፖለቲካ ጉዳይ እዩ ክኸውን።

ፖለቲካዊ ጉዳይ ድማ ብኣና ብኣካላት ፍትሒ ክዝረብ ኣይግበኦን፤ ንሕና ፀግዒ ክንሕዝ ኣይግባእን። ብፍላይ ከዓ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝኣክል: ኣብዚ ጉዳይ እዚ ናይ ባዕሉ ቅዋም ሒዙ "ስግግር" ብምባል እቲ ዝሓለፈ ዝተረገመ ግዜ እቲ ዘለናዮ ዝተባረኸ ገይሩ ዘቕርብ ኮይኑ ዘይወገናዊ ውሳነ ኣብ ምሃብ ክፅገም እዩ። እዚ ድማ ሕገ መንግስታዊ ኣይኮነን' ብምባል ሓሳበይ ኣቕሪበ እየ።

ቢቢሲ: እዚ ሓሳብ እዚ ንሰን ነቲ ዘረባ ቅድሚ ምዝራበን እዩ:: ሽዑ ምስተዛረበኦ ኸ እንታይ ቅዋምን ሓሳብን ሂብኩም::

ኣይተ ኣማኑኤል:ነዚታት ንምእራም እውን እየን ነቲ ሓሳብ ነኻኺአነኦ። 'ፖለቲካዊ ይኹን ዝኾነ ካልእ ሓሳብ ዘይንካእ ጉዳይ የለን። ሓዱሽ ሓሳብ ንዘይምቕባል ኢኹም ትቃወምዎ ዘለኹም። ሓዱሽ ሓሳብ ልመዱ' ብምባል እየን ነቲ ሓሳበይ ነፂገነኦ።

ፋዱስ ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ክውዳእ ዝነበሮ ኣኼባ: ሸውዓተን ፈረቓን [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኮይኑ ነታ ዘረባ ኣቕሪበን ነቲ ኣኼባ ዓፅየነኦ። ድሕሪ ቀትሪ ድማ ካልእ ኣጀንዳ እዩ ነይሩ።

ብፕሮፌሰር ሂሩት ዝምራሕ ጉዳይ ኮምሽን ዕርቀ ሰላም ዝምልከት እዩ ነይሩ። ነዚ ንምእራም ግዜ ኣይነበረን። ኮይኑ ግና ኣብ እዋን ሰዓት ምሳሕ: ዳርጋ ኩሉ እቲ ተሳታፊ ነቲ ኣብ ምዝዛም ዝሃበኦ ሓሳብ ኮኒንዎ እዩ።

ቢቢሲ: እቲ ዘረባ ንመን እየን ተዛሪበነኦ? ንክልል ትግራይ እየን ተዛሪበን ኢልኩም ዶ ትኣምኑ?

ኣይተ ኣማኑኤል:ንሕቶ ኣይተ ግደይዘርኣጽዮን መልሲ ክህባ እንከለዋ ስለዝተዛረብኦ ብቐጥታ ንትግራይ እየን ተዛሪበነኦ ኢልካ ምትእስሳር ይካኣል እዩ።

ትግራይ ዝብል ስም ብዘይምፅረሐን ንትግራይ ኣይኮነን ተዛሪበነኦ ምባል ኣይካኣልን። ብዝኾነ ግን ንመን እየን ተዛሪበነኦ ዝብል ኣየገድስን።

ኣብ ሃገርና ክልላት እየን ንፌደራል መንግስቲ ኣጣይሸነኦ። እተን ክልልላት ከዓ ስልጣን ኣብ ማእኸል ኣቐምጠልና ኢለነኦ። ናይ ባዕለን ስልጣን ድማ ኣብ ባዕለን ኣትሪፈን እየን።

ኣብ መንጎ ፌደራልን ክልላትን ዝኾነ ይኹን ዘይምጥዕዓም እንተተፈጢሩ መፍትሒኡ ኣብቲ ሕገመንግስቲ ብግልፂ ሰፊሩ'ሎ። ስለ'ዚ ምስቲ ሕገ መንግስቲ ብዝፃባእ መልክዑ ከምዚ ዝበለ ህንዱድ ምክረ ሃሳብ ምሃበን እዩ ክኹነን ዘሎ እምበር ንመን እየን ተዛሪበነኦ ዝብል ኣየገድስን።

ኣብዚ ጉዳይ ንወይዘሮ መዓዛ ኣሸናፊ ረኺብና ንምዝርራብ ዝገበርናዮ ፈተነ እዚ ጽሑፍ ክሳብ ዝተሓትመሉ ሰዓት ክሰምረልና ኣይከኣለን።