ኣብ ናይጄርያ ዝተጨወዩ ቱርካውያን ነጻ ወጺኦም

ኣርባዕተ ቱርካውያን ኣብ ምዕራባዊ ናይጄርያ ብዕጡቓት ተጨውዮም ንሓደ ሰሙን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናጻ ከምዝወጹ ፖሊስ ገሊጹ።

እቶም ቱርካውያን ሰራሕተኛታት ህንጻ ክኾኑ ከለዉ፡ ኣብ እንዳ መስተ እናሃለዉ እዮም ዝሓለፈ ሰሙን ተጨውዮም።

ጨወይቶም 1 ሚልዮን ዶላር ክኽፈሎም ሓቲቶም ነይሮም። እንተኾነ ፖሊስ እታ ሃገር ዝተኸፈለ ገንዘብ ከምዘየለን "ብዘይ ቅድመ ኹነት" ከምእተፈትሑን እዩ ተዛሪቡ።

ኣብ ናይጄርያ፡ ገንዘብ ንምርካብ ኢልካ ሰባት ምጭዋይ ልሙድ እዩ። ብፍላይ ድማ ወጻእተኛታትን ስሙያት ናይጀርያውያንን እዮም ዒላማ ዝኾኑ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙናት እውን፡ ሸፋቱ ባሕሪ (ቀርሰንቲ) ኣብ ገማግም ባሕሪ ናይጄርያ ን 10 ቱርካውያን ባሕረኛታት ኣጥቂዖም እዮም። ዕጫ ናይቶም ባሕረኛታት ድማ ዛጊድ ኣይተፈለጠን።

እቶም ቱርካውያን ሰራሕተኛታት ብዓርቢ ኣብ ጫካ ከምዝተረኸቡ ፖሊስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ፖሊስ ወሲኹ ከምዝበሎ፡ ቅድሚ ነቶም ሰራሕተኛታት ናጻ ንምውጽእ ዝተገበረ ወፍሪ፡ ቀዲሞም ዝተትሓዙ ሰለስተ ጨወይቲ ብምንባሮም ሓጋዚ ኮይኑ እዩ።

"ማእሰርቲ ናይዞም ጨወይቲ፡ እቶም ዝተረፉ ሸፋቱ ነቶም ቱርካውያን ብዘይ ቅድመ ኹነት ክለቅዎም ኣገዲድዎም እዩ" ኢሉ ፖሊስ።

እቶም ቱርካውያን ናጻ ምስ ወጽኡ ሕክምናዊ መርመራ ተገይሩሎም እዩ።