እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ተቓወምትን ታሪኻዊ ስምምዕ ዝበልዎ ተፈራሪሞም
ተቓወምትን መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽርን ሱዳን 'ታሪኻዊ ስምምዕ' ዝበልዎ ከም ዝተፈራረሙ ተገሊጹ።
ላዕለዋይ መራሒ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፡ መሓመድ ሓመዳን ዳጋሎ ነቲ ፍጻመ "ታሪኻዊ ኣጋጣሚ" ክብል ከምዝገለጾ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ካልኣይ ስምምዕ ኣብ ቁዋማዊ ጉዳያት ገና ይሰርሓሉ ኣሎ።
መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ምስ ሕብረት ተቓወምቲ ሱዳን ስልጣን ክመቓርሑ እናተፈራረሙ እንከለው ኣብ ተሌቨዠን ሱዳን ተቃሊሑ እዩ።
ክልቲኦም ኣካላት፡ ንፍልልያቶም ከጽብቡ ምሉእ ለይቲ ዝርርብ ድሕሪ ምግባሮም ከም ዝተሰማምዑ ሮይተርስ ሓቢሩ።
እቲ ዝተረፈ ቁዋማዊ ጉዳያት ዝምልከት ስምምዓት ዓርቢ መዓልቲ ከም ዝፈራረሙ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ መራሕቲ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፡ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ምስ ሕብረት ተቓወምቲ ሱዳን ስልጣን ክመራቕሑ ተሰማሚዖም ነይሮም።
ክልቲኦም ወገናት ስልጣን ናይቲ ሉዕላዊ ባይቶ ብውሑዱ ንሰለስተ ዓመታት እናተባረዩ ክመርሕዎ ከም ዝተሰማምዑ ዝዝከር እዩ።