እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸርኮሌ ዝነብር መሃዚ ስደተኛ
ሬፓን ሳድቅ ይበሃል። ብድሕሪኡ ዝረአ ህንፃ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሸርኮሌ በዓሉ ዝሰርሖ በዓል ክልተ ደርቢ መንበሪ ገዝኡ እዩ።
ነዚ ህንፃ ክሰርሕ ሸውዓተ ወርሒ'ዩ ወሲድሉ። ሬፓን ንፈለማ እዋኑ ንመሬት ኢትዮጵያ ዝረገጸ ገና ቆልዓ ሓደ ዓመት ኮይኑ'ዩ።
ሽዑ ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዝነበረ ጎንጺ ምኽንያት ስድርኡ ተሰዲቶም ናብዚ ቦታ መጺኦም።
ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ክዝክር እንተዘይከኣለ'ኳ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ኢትዮጵያ ንኽስደት ግድን ኮይንዎ ከኣ ድሕሪ ነዊሕ ዓመት ተመሊሱ።
ወዲ 25 ዓመት ኮይኑ ንበዓልቲ ገዝኡን ሽድሽተ ደቁን ብምሓዝ ቅድሚ 14 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤኒሻንጉል ናብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሸርኮሌ ኣትዩ።
ሬፓን ኣብቲ ከባቢ ፍሉጥ ሰብ'ዩ። ተፈላጥነቱ ድማ ካብ መዓስከር ሸርኮሌ ሓሊፉ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝበፅሓሉ እዋን ነይረ።
ናብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት እናኸደ ዝተፈላለዩ ስራሕቱ ንምርኢት የቕርብ።
እንታይ ዓይነት ስራሕቲ?
ሬፓን ንስራሕቱ ዝኾንዎ ናውቲ ኣብ ሸርኮሎ ንምርካብ እንተተፀገመ'ኳ ኣብቲ መዓስከር ዝረኽቦም ከምኡ'ውን ኣገልግሎት ሂቦም ዝተደርበዩ ኣቑሑ ብምጥቃም ዝተፈላለዩ ዘገርሙ ስራሕቲ ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ።
ቀትሪ ምስ ምምሕዳር'ቲ መዓስከር እናሰርሐ ይውዕል። ምሸት ምሸት ድማ ንውሽጡ ዘሕጉሶ ነገር ብምስራሕ እኹል ድቃስ ከይረኸበ የሕልፎ።
ሬፓን ሰዳን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ስራሕቲ ዕንጸይቲ ይሰርሕ ነይሩ። ኣቡኡ'ውን ኣብቲ ዓውዲ ዝሰርሐ በዓል ሞያ ስራሕቲ ዕንጸይቲ ነይሮም።
ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝመጽእ ንደሓር ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሰዓታት ጥራይ ብምድቃስ እዩ ዝፍለጥ። ምሸት ምሸት ዘሕጉስዎ ነገራት እናሰርሐ ቀትሪ ድማ ምስ ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ንስደተኛታት ሞያ ይምህር።
ንቤተሰቡ መጽለሊ ዝኸውን ገዛ ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ኣዋርሕ ሰሪሑ ምስወድአ ኮፍ ክብል ኣይመረጸን። ቀስ እናበለ ንገዝኡ ዘድልዩ ዝተፈላለዩ ኣቑሑ ገዛ ኣማሊኡ።
መውዓዪ ማይ፣ መዝሓሊ ኣየርን ዝመሳሰሉን ሰሪሑ። ኣብዚ ዓመት ድማ ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ ጥቓ እቲ ንሱ ዝርከበሉ መዓስከር ናብ ዝርከብ መዓስከር ባምባሲ ከይዱ ነይሩ።
ዝመሃዛ ፍልይቲ መሳርሒ ሙዚቃ ሒዙ ብምኻድ ናይ ዝተፈላለዩ ክልላት ደርፍታት ብምድራፍ ኣብቲ በዓል ተሳቲፉ።
ነታ መሳርሒ ሙዚቃ ከኣ 72 ደርፍታት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዋ 'ሚሞሪ ካርድ' ካብ ኣሉሚንየም ሰሪሑላ። ንምህዞታቱ ዝጥቀመሎም ናውቲ ከኣ ዕንጸይቲ፣ ዓርቃይ፣ ኣሉሚንየም፣ ባኮን ካልኦትን እዮም።
ሬፓን ኣብዚ ሕጂ እዋን ንኹሎም ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ስደተኛታት ልክዕ ከምቲ ናቱ ዓይነት መንበሪ ገዛ ክሰርሓሎም ድልየት ከምዘለዎ ይዛረብ።
ሰባት ነቲ ዝሰርሖ ገዛ እናመጽኡ ክሪኡሉ'ውን ድልየት ኣለዎ። " ገለ እዋናት ዝደልዮም ኣቑሑ ንምግዛእ ወጺአ ምስተመለስኩ ምናልባት ዝኾነ ነገር እንተጠፊኡኒ ኣብ ውሽጢ ናብ ዘላ መቆጻጸሪ ክፍሊ ብምእታው ነቲ ዝተፈጠረ ነገር ክርእዮ እኽእል እየ" ዝብል ሬፓን እቲ መሳርሒ ነቲ ኹሉ ዝተፈጠረ ነገር ቀዲሑ (ቀሪጹ) ከምዘጽንሓሉ ይዛረብ።
ናብ ኣእምርኢ ዝመጽኡሉ ሓሳባት ብተግባር ከይፈተነ ድቃስ ኣይወስዶን። ንድቃስ ዝኸውን እኹል ግዜ የብለይን" ክብል ይዛረብ። ሓሓሊፉ ግን ድቃስ ናይ ግድን የድልዮ።
"ቡን ሰትየ ምሉእ ለይቲ ክሰርሕ እሓድር። መጀመርታ ነቲ ሓሳብ ኣብ ኣእምሮይ'የ ዘመላልሶ። ሽዑ ከመይ ክሰርሖ ከምዘለኒ ምስ ሓሰብኩ ጥራሕ ናብ ግብራዊ ስራሕ ይኣቱ" ክብል ይዛረብ።
ሬፓን ንዝሰርሖም ስራሕት ካብ ባትሪ ብዝረኽቦ ጸዓት (ሓይሊ) ስለዝጥቀም ይጽገም'ዩ። ኣብ መጻኢ እቲ ሓይሊ ካብ ጸሓይ ዝርከበሉ መገዲ ንምፍጣር እናሰርሐ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ብጸሓይ እትሰርሕ መውዓይት ማይ ክሰርሕ ኪኡሉ ኣሎ።
ሬፓን ኣብ ዝሰርሖም ስራሓት ወዲ ትሸዓተ ካብ ጎኑ ኣይፍለዮን። ንሱ ካብ ኣቡኡ ዝወረሶ ሞያ ሎሚ ናብ ውላዱ ከሰጋግሮ ምኽኣሉ ዕግበት ይፈጥረሉ።