ምስ ሬሳ ኣዲኣ ንሰለስተ ዓመታት ዝተቐመጠት ሰበይቲ ተኣሲራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሃገረ ኣመሪካ፡ ቴክሳስ ኣብ ዝበሃል ግዝኣት እዩ። ሓንቲ ሰበይቲ፡ ምስ ጓላ ኣብ እትነብረሉ በዓል ክልተ ክፍሊ መደቀሲ፡ ናይ ኣዲኣ ሬሳ'ውን ስለዝተረኸበ ኣብ ቀይዲ ውዒላ ኣላ።
ፖሊስ ከምዝብሎ፡ እተን ሬሰአን ዝተረኸበ ጓል 71 ዓመት ሰበይቲ ኣብ 2016 ወዲቐን እየን ሞይተን።
ፖሊስ ከምዝብልዎ፤ እታ ጓል 47 ዓመት ጓለን፡ ኣብቲ እዋን እኹል ሓገዝ ክትገብረለን ስለዘይከኣለት "ኣብ ውሽጢ መዓልታት" እየን ሞይተን። እንተኾነ፤ እቲ ዘጋጠመን መውደቕቲ ክንድቲ ከቢድ ኣይነበረን።
ኣስከሬን ናይተን መዋቲት፡ ኣብ ባይታ ናይቲ ሓደ መደቀሲ ክፍሊ እዩ ተረኺቡ። ኣብቲ ካልአዋይ ክፍሊ ከኣ፡ ጓለን ምስ ውላዳ ክትነብረሉ ጸኒሓ።
ጓል ጓለን፡ ምስ ሬሰአን ኣብ ሓደ ገዛ ክትነብር እንከላ ገና 15 ዓመት ኣይመልኣን ነይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣዲኣ "ኣብ ልዕሊ ህጻን ማህሰይቲ ብምብጻሕ" ተኸሲሳ ኣላ።
እታ ቆልዓ፡ ብሞግዚትነት ኣዝማዳ ትዓቢ ዘላ ኮይና፡ ካብ ትካል ክንክን ህጻናት ከኣ ሓገዝ ይግበረላ ኣሎ።
ኣዲኣ ክሳብ 20 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ከምኡ ድማ ክሳብ 10 ሽሕ ዶላር ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ክፍረዳ ይኽእል እዩ።
ፖሊስ ከምዝበሎ፡ እተን መዋቲት ኣብ ከባቢአን ጽቡቕ ሽም ዘለወንን፡ ከም ጸሓፊትን ሓጋዚት መምህርን ኮይነን ን 35 ዓመት ዘገልገላ እየን።
ጥሮታ ምስወጻ ከኣ፡ ኣብ እዋን ስፖርታዊ ውድድራት ኣካቢት ትኬት ኮይነን ይሰርሓ ነይረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







