እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ብሩንዲ መቝሽሽ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ብምጥፍኡ ንሓደ በዓልመዚ ቀይዳ
ምክትል ፕረዚደንት ማህበር ኩዕሶ እግሪ ብሩንዲ፡ ኣይማበል ሃቢማና ምስ ምጥፋእ መቝሽሽ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
እቲ ገንዘብ ነቶም ኣብ ግብጺ ይካየድ ኣብ ዘሎ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝተሳተፉ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ዝተዳለወ'ዩ ነይሩ።
ኣብ ልዕሊ'ቲ ዝተቐየደ ምክትል ፕረዚደንት፡ ምርመራ ክካየድ ጀሚሩ'ሎ።
ቢቢሲ ከረጋግጾ ከም ዝኸኣለ፡ ሃቢማና (ማራንዱራ ብዝብል ሳጓኡ ዝፍለጥ) ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ'ዩ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ።
ንናይታ ሃገር ፖሊስ ክነዘራርብ ዝገበርናዮ ፈተነ ክሰምር'ኳ እንተዘይከኣለ፡ ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣባል ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ብሩንዲ ግን እቲ ዜና ሓቂ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና።
ካልእ ሰብ ድማ፡ ሃቢማና ኣብቲ ጉዳይ ምጽራይ ክካየድ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ምስ ካልኦት ሰራሕተኛታት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተዛሪቡ።
ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2019 ዝተሳተፈት ብሩንዲ፡ ገና ኣብ ናይ ምድብ መጻረዪ ግጥማት ከላ እያ ተፋንያ።