ዘተ ኒዩክሌር ኢራን፡ ማክሮንን ሩሓኒን ዘተ ዝቕጽለሉ መገዲ ከናድዩ ተሰማሚዖም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኢራን ንስምምዕ ኒዩክሌር ብምጥሓስ ምፍራይ ዩራኒየም ብዝሓየለ ምልክዑ ከም ትቕጽሎ ኣፍሊጣ።
ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዓባስ ኣራኪ፡ "ኢራን ሕጂ'ውን እቲ ስምምዕ ክዕቀብ ትደልዮ ኢያ" ድሕሪ ምባል ሃገራት ኣውሮጳ ነቲ ስምምዕ ንምውሓስ ዝኣተውኦ መብጽዓ ከተግብራ ከም ዘይከኣላ ነቒፉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ፈረንሳን ኢራንን፡ ነቲ ኢራን ምስ ሓያላት ሃገራት ዝኣተወቶ ስምምዕ ኒክልየር ንምውሓስ ዘተ ዝጀመርሉ መገዲ ከናድያ ከም ዝተሰማምዓ ፕረሲደንት ኢማኑኤል ማክሮ ገሊጹ።
ማክሮ ምስ ፕረሲደንት ሐሰን ሮሓኒ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ካብ ናይ 2015 ስምምዕ ምውጻእ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ዘለዎ ከቢድ ሻቕሎት ሓቢሩ።
ሮሓኒ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ 2015 ንኸውሕሳን ቕልጡፍ ስጉምቲ ክወስዳን ከጽውዕ ጸኒሑ ኢዩ።
ኣሜሪካ ዝሓለፈ ዓመት ካብቲ ስምምዕ ድሕሪ ምውጻኣ እቲ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን እገዳ ድሕሪ ምንባሩ፤ እታ ሃገር ኣብ ወርሒ ግንቦት ንመስርሒ ቦምብ እተፍርዮ ዓቐን ዩራኒዮም ክብ ብምባል ግበረ መልሲ ሂባትሉ ኢያ።
ኢራን ድሮ ካብቲ ክህልዋ ዝግባእ ንላዕሊ ዩራኒዮም ኣኪባ ኣላ።
ገለ ተንተንቲ ከም ዝገልጽዎ ንኣሜሪካ ናብቲ ስምምዕ እንደገና ንምምላስ ዳርጋ ዘይከኣል ኢዩ።
ኣውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብኣሜሪካ ዝግበር ዘሎ እገዳታት ከዝልቐኦ ዝከኣለን ይገብራ እኳ እንተ'ለዋ፤ ስምምዕ ኒዩክሌር ግና ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ።
ኣብቲ ፕረሲደንት ማክሮ ብቋንቋ ፈረንሳይ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ምስ መዘንኡ ሮሓኒ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ብቴሌፎን ከም ዝተዛራረበ ገሊጹ።
እቲ መልእኽቲ ዋላ እኳ ኢራን ንሰንበት ገደብ ግዜ ኣቐሚጣ እንተነበረት፡ ክሳብ 15 ሓምለ ክልቲኦም ወገናት ኩሎም ተዛተይቲ ሃገራት ዝሳተፍሉ ዘተ ዝካደሉ መገዲ ከናድዩ ተሰማሚዖም።
ፕረሲደንት ሮሓኒ፡ ንኣባላት እቲ ስምምዕ ዝኾና ሃገራት ዓባይ ብርጣኒያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ቻይናን ሩስያን ነታ ሃገር ካብ ኣሜሪካ ካብ ዝገበረላ ዘሎ ተረርቲ እገዳታት ኣብ ሓጺር መዓልታት ግብረ መልሲ ብምሃብ ከድሕንኣ ጻውዒት ኣቕሪቡ። እዚ ምሰ ዘይከውን ግና ኢራን ካብቲ ስምምዕ ከም ትስሕብ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኣብ መንጎ ሃገሩን ሽዱሽተ ሓያላት ሃገራትን ዝግበር ርክብ ብምልዓል እገዳታት ክጅምር ከም ዝግባእ ሮሓኒ ይዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







