በዓልቲ ቤት ጀነራል አሳምነው ፅጌ ተኣሲራ

መንግሰቲ ኢትዮጵያ ንበዓልቲ ቤት ጄነራል አሳምነው ፅጌ፡ ወይዘሮ ደስታ አሰፋ፡ ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ጓል እቲ ጀነራል ማህሌት አሳምነው ንቢቢሲ ገሊጻ።
ጄነራል ኣሳምነው፡ 15 ሰነ ኣብ ባህር ዳርን ኣዲስ ኣበባን ዝተፈጸመ ቅትለት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ተፈቲኑ ንዝተብሃለ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝመርሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይገልጽ።
ማህሌት ከምዝበለቶ፡ ኣዲኣ ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓለት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮልፌ ክፍለ ከተማ ፍሉይ ስሙ ኣሸዋ ሜዳ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ እዩ።
ወይዘሮ ደስታ ኣሰፋ፡ መጀመርታ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ኣሸዋ ሜዳ ፖሊስ ጣብያ ከም ዝተወስደት እትዛረብ ማህሌት፡ ሎሚ ንጎሆ እነ-ሓጎኣ ናብቲ ፖሊስ ጣብያ ከይደን ምስ ሓተታ ግን ናብ ካሊእ ቦታ ከመዝተወስደት ተነጊሩዋ ትብል።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሙሉእ ስድራ ብ/ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ንሓዘን ናብ ላሊበላ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ እነ-ሓጎኣን- ናይ ገዛ ሰራሕተኛን ከምኡ'ውን ንጎረቤት ምስክር ብምግባር፡ ፖሊስ ነቲ መንበሪ ገዘኦም ፈቲሹ ሓንቲ ናይ ገዛ መኪና፣ ላፕቶፓትን ካልኦት መረዳእታታትን ከምዝወስዱ ማህሌት ወሲኻ ገሊጻ።
ፖሊስ ንኻልኣይ ግዜ ንጽባሒትኡ'ውን ንምርመራ ናብ መንበሪ ቤቶም ከምዝመጸ፡ ማህሌት ትዛረብ።
ቢቢሲ ብዛዕባ ማእሰርቲ ወይዘሮ ደስታ አሰፋካብ ፖሊስ ፌደራል ኮነ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንምጽራይ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን።
ሓው ኣቦኣ፡ ኣብ ቀብሪ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ከምዘይተረኸበን፡ ቤተሰብ ሃለዋቱ ስለዘይፈለጡ ተጨኒቖም ከምዘለዉ'ውን ማህሌት ሓቢራ።
ብርጋዴር ጄነራል ኣሳምነው ጽጌ ነቲ ኣብ ባህር ዳር ተገይሩ ዝተባህለ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ዘዋደደ ንሱ ከምዝኾነን፡ ንቕትለት ላዕለዎት ሰበስልጣናት እውን ተሓታቲ ምዃኑን ብተደጋጋሚ ተገሊጹ እዩ።
ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ'ውን፡ ጄነራል ኣሳምነው ነቲ መጥቃዕቲ ብኣካል ይመርሖ ከምዝነበረ መስኪሮም እዮም።ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው፡ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ድሕሪ መዓልታት ካብ ባህር ዳር ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ዘንዘልማ ኣብ ዝበሃል ቦታ እናተታኾሰ ከምዝሞተ መንግስቲ ኣፍሊጡ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







