እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ዝኾነ ዘጸዓንናዮ፡ ካብ ቻነልና ከይነውርዶ ዝቕይድ ውዕል ኣለና" ዋና ኢላ ሪኮርድስ
ኢላ ሪኮርድስ ኣብ 2014 ዝጀመረ ትካል ዩቱዩብ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቅንጥብጣብ ቁጽሪ ሰለስተ ዘርእስታ 'ኮሜዲ' ኣብታ ቻነል ድሕሪ ምዝርጋሓ፡ ነዛ ደራማ ዝረኣዩ ሰባት ዓገብ ኪንኡ ሓሊፎም'ውን፡ ካብቲ ቻነል ክትወርድ ዝጠልብ ጥርዓናት የስምዑ ኣለዉ።
እታ ድራማ ሓንቲ ህጻን ምስ ሓደ እኹል በጽሒ ብፍቕሪ ተቛሪና እተርኢ ኾይና፡ በቲ ኣብታ ድራማ ዘሎ ተግባራትን ምትንኻፋትን ባህ ዘይበሎም ሰባት እዮም፡ ነዚ ጥርዓን ዘቕርቡ ዘለዉ።
ዋናን ኣመሓዳሪ ትካል ኢላ ሪኮርድስን ዝኾነ ዩኤል ሃብተማርያም ተኽለ: እታ ስራሕ ብኢላ ሪኮርድስ ዘይፈረየትን፡ ተሰሪሓ ምስ መጽኣቶም፡ እቲ ትካል ዝኽተሎ ቅጥዒ ኣማሊኣ ኣብ 'ቻነሎም' ከም ዝዘርግሕዋ'ዩ ዝገልጽ።
ዩኤል፡ "ሕብረተሰብና ንቆልዑ ዝዕምጽ ኣይኮነን፡ እዛ ድራማ ብዓይኒ ምዕራባውያን ስለ ዝተራኣየት እዩ ተነቃፊት ገይርዋ"ካብ ህዝቢ ቀሪቡ ዘሎ ርኢቶ ቅቡል ኮይኑ ዝረኣየሉ ተኽእሎ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ኢላ ሪኮርድስ ክቕበልዎ እንከለዉ ግን፡ ከም መዘናግዒ፡ ኣብ ሓቂ ዘይተመርኮሰ ተዋስኦ ምዃኑ ጥራይ ርእዮም ከም ዝዘርግሕዋ ይጠቕስ።
ነቲ ብገለ ተዓዘብቲ 'ቅንጥብጣብ ቁጽሪ 3' ካብ ቻነል ኢላ ሪኮርደስ ክትእለ ኣለዋ ዝብል ጥርዓን ዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ዋናን ኣመሓዳሪ ትካል ኢላ ሪኮርድስ ዝኾነ ዩኤል ሃብተማርያም ክምልስ እንከሎ
"ንሕና ድኳን ኢና፡ ስራሕና ከኣ ናብ ህዝቢ ምቕራብ እዩ፡ ኣብ ዱኳን ከኣ ብዙሕ እዩ ዝርከብ" ድሕሪ ምባል፡ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ክመጽኣና እንከሎ፡ ኣብ ህዝቢ ዘምጽኦ ጽልዋ ኣብ ግምት ከነእትዎ ከም ዘለና ዓቢ ትምህርቲ ኮይንና ኣሎ ይብል።
"ብቅንጥበጣብ ቁጽሪ 3 ዓቢ ትምህርቲ ኢና ወሲድና፡ ካልኦት ቻነላትን ስነ ጥበባውያን'ውን ካብዚ ክምሃሩ ኣለዎም" ብምባል፡ ድሮ ናብ ህዝቢ ቀሪባ ስለ ዝኾነት ካብ ቻነሎም ናይ ምእላይ መደብ ከም ዘይብሎም ሓቢሩ።
"ንሓደ ሰብ ስርሑ ኣብ ቻነልና ክንልጥፈሉ ክንሰማማዕ እንከለና፡ ዝቕይደና ኩንትራት ኣሎ፡ እቲ ኩንትራት ካይነውርዳ ይክልክለና እዩ" ብምባል ካብ ቻነሎም ንኸይኣልይዋ ውዕሎም'ውን ከም ዘገድዶም ይጠቕስ።
ዩኤል፡ ዋላ ድኣ ከም ዱኳን ንመኽሰብ ዝሰርሑ ትካል ይኹኑ'ምበር፡ ንመኽሰብ ኣቐዲሞም ንሕብረተሰብ ዝሃሲ ነገር ከም ዘይገበሩ ይሕብር።
"ናባና ተወዲኡ ዝመጽአ ስራሕ ኩሉ፡ ናብ ሕብረተሰብ ኣይዝርጋሕን እዩ፡ ካብ ጥቕሙ ሃስይኡ ይዛይድ ኢልና ዝኣመንናሉ ብዙሕ ስራሕ ኣብ ቻነልና ከይጸዓን ዝኸልከልናዮ ኣሎ፡ ከም ቻነል፡ ህዝብና ከሐጉስ፡ ህዝቢ ክምሃረሉ ዘለዎ ኢና ክነቕርብ ንደሊ"
ኢላ ሪኮርድስ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 500 ደርፍታት ከምኡ'ውን ኣስታት 70 ዝኸውን ፊልምታት ክትዝርግሕ ዝኸኣለት፡ ሓንቲ ካብተን ብኤርትራውያን ዝውነና ናይ ዩቱዩብ ቻነላት እያ።
ዝኾነ ደርፊ ይኹን ፊልም ኣብ ቻነሎም ንኽልጠፍ ሕቶ ምስ ዝቐርበሎም ዝኽተልዎ ኣገባብ ከም ዘሎ ዋናን ኣመሓዳሪን ትካል ኢላ ሪኮርድስ ዩኤል ሃብተማርያም ተኽለ ይሕብር።
"ኣብ ኣስመራ ነቲ ፊልምታት ይኹን ደርፍታት ርኢቶኦም ዝህብሉ መሳርሕቲ ኣለዉና፡ ካብ ኣውሮጳ ዝመጻና ስርሓት ከኣ ንዕኡ ዝከታተሉ መሳርሕቲ ኣለዉና፡ ቀንዲ ሕመረትና ከኣ ንሕብረተሰብ ጠቓሚ ኣብ ዝኾነ እዩ ዝምእከል" ብምባል ናጻ ኮይኖም ብዘይ ምትእትታው ሳልሳይ ኣካል ስረሖም ከም ዘካይዱ ይሕብር።
ኢላ ሪከርድስ በቲ ካብ ዩ ትዩብ ዝርከብ መኽሰብ ትካሎም 45 ሚእታዊት ዋናታት እቲ ፊልምን ደርፍታትን 55 ሚእታዊት ከም ዝረኽቡ ብምሕባር፡ ኣብ ፊልም ግን ንዝያዳ መኽሰብ ደረስቲ ንምሕላው ካብ ዩትዩብ ወጻኢ ፊልም ዝረኣየሎም መተግበሪ [ኣፕሊኬሽን] ኣተኣታትዮም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ዩኤል ይገልጽ።