ደናግል፡ “ልዕሊ ማንም ዝውጻዕ ህዝቢ እዩ”

ምንጪ ስእሊ, MA
መንግስቲ ኤርትራ ከም መቐጸልታ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንዝመሓደራ ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ዝወሰዶ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ብምቕጻል፡ ትማሊ ሰኑይ እውን ነተን ኣብ ሆስፒታል ዛግር ንኡስ ዞባ ሰረጃቓ ከገልግላ ዝጸንሓ ደናግል ቅድስቲ ሃና ንብረተን ሒዘን ክነብራሉ ካብ ዝጸንሓ መንበሪ ቤተን ክወጽኣ ምእዛዙ ምንጭታትና ገሊጾም።
ሆስፒታል ዛግር ክፍሊ መወልዳን ዘጠቓለለ ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ዝህብ፡ ብህዝቢ ዝተመስገኑ ንጡፋትን ግዱሳትን ሞያውያን ዝነበሩዎ ሆስፒታል ምንባሩን፡ ጠለብ ተገልገልቲ ንምምላእ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ሓዲሽ ክፍልታት ከምእተሰርሖ ዝሓበሩ ምንጭታትና፡ እተን ደናግል ካብቲ ንሕሙማት ዝኣልያሉ ዝነበራ ሕክምና፡ ዝኾነ ይኹን ዓይነት መሳርሒ ሕክምና ከይወስዳ ከምእተኸልከላ ሓቢሮም።
ኣብቲ ከባቢ፡ ሕክምናዊ ረድኤት ክህብ ዝኽእል ትካላት ጥዕና መንግሰቲ ስለዘየሎ፡ ዜጋታት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንኪረኽቡ ነዊሕ ኪሎ ሜትራት ክጓዓዙ ከምዝግደዱ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣረዲኦም።
ህዝቢ ዛግርን ከባቢኡን እቲ ኣብ ዓዱን ጎደቦታቱን ክረኽቦ ዝጸንሐ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ስለዝተዓጽዎ ኣዝዩ ከምዘጉሃየን ነተን ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገልኦ፡ ብትእዛዝ መንግስቲ ተገዲደን ብሓገዝ ካቶሊካዊት ሰክረታርያ ዝግዕዛ ዝነበራ ደናግል ከምዝተሓጋገዙወን ምንጭታትና ሓቢሮም።
ንቢቢሲ ልባዊ ስምዒተን ዘካፈላ እናቴ፡ "ልዕሊ ማንም ዝጉዳእ ህዝቢ እዩ። እምበር ደናግልሲ ኣብ ኤርትራ እንተተኸልከልና፡ ንሕና ንህዝቢ ከነገልግል ስለዝተወፈና ረድኤትና ኣብ ዝደልዩ አህዛብን ሃገራትን ከይድና ከነገልግል ኢና" ብማለት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ብልቢ ከምእተሰምዐን ገሊጸን።
ኣብ ከባቢ ዓዲ ቐይሕ ኣብ ዝርከብ ተኾንዳዕ ዝተባህለ ዓዲ ኣብቲ ዝሕክማሉ ቀጽሪ ዝነብራ ዝነበራ ደናግል ቅድስቲ ሃና እውን ሎሚ ካብ መንበሪ ኣባይተን ክወጽኣ ተነጊሩወን ምህላው ካብ ውሽጢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ሃገር ንህዝቢ ዘገልግላ ዝነበራ 22 ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ክዕጸዋ ድሕሪ ምእዛዙ፡ ሓይልታት ጸጥታ ብሓይሊ እናኣተዉ ነቲ ትካላት ጥዕና ይዕሽጉዎ ምህላዎም ይፍለጥ።
ኣብ ከባቢ ዓሰብ ኣብ ዝርከብ፡ ኣመንቲ ምስልምና ዓፋር ኣብ ዝነብርሉ፡ ኣቦ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ዝነበረት ክሊኒክ እውን በቲ መንግስቲ ዝመሓላለፎ ውሳነ ምስ ምሉእ ንብረቱን መሳርሒታቱን ከምእተዓጽወን እተን ደናግል ዝጥቀማላ ዝነበራ መኪና ከይተረፈት እውን ከምእተሃገረት ምንጭታትና ገሊጾም።
ብተወሳኺ እታ ንነበርቲ ከባቢኣ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ብዙሕ ከባቢታት ኤርትራ ንዝመጽኡ ጽጉማት እትሕክምን እትሕግዝን ዝነበረት ሆስፒታል ድግሳ እውን ከምእተዓጽወትን፡ እተን ደናግል ናብቲ ዝተዓጽወ ሆስፒታል ገጸን ተወዝ ከይብላ ከምዝተነግረን ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ሓቢሮም።
ሆስፒታል ድግሳ ብኣስታት 20 ሞያውያውን እትካየድ፡ መደቀሲ ሕሙማን ክፍልታት ዘለዎ ብዘበናዊ ኣገባብ ዝተሃንጸ ትሕተ ቕርጽን ኣብ ቀረባ እዋናት ዝተኣታተወ ዲጂታላዊ መሳርሒ እትውንን ካብ ኢጣልያ ዝመጽእ ብቑዕን እኹልን ቀረብ መድሃኒት ዝርከባ ህዝቢ ዝሕጎሰላን ዘመስግነላን ሕክምና ምዃና ኣብታ ሆስፒታል ኣገልግሎት ዝረኸቡ ተገልገልቲ ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







