ቅልውላው ሱዳን፡ ሓድሽ ዋግዋጎ ተስፋ ንሰውራውያን መንእሰያት

ሲቪላዊ መንግስቲ ዝጠልብ ተቓውሞ ሱዳን፡ ድሕሪ እቲ ብሰራዊት እታ ሃገር ብሓይሊ ምብታኑን ህይወት ልዕሊ 100 ሰባት ምሕላፉን፡ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ደጊሙ ተበራቢሩ።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከባ ከተማታት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ሲቪላዊ መንግስቲ ብምጥላብ ናብ ጎደናታት ወጺኦም።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፈርጋል ኪን፡ ኣገዳስነት ናይዚ ተሓዲሱ ዝጀመረ ተቓውሞ ተንቲኑ ኣሎ።

ብፍጹም ጠቕሊሎም ኣይከዱን

ድሕሪ'ቲ ናይ 3 ሰነ ምብታን ተቓወምቲ፡ ሰልፈኛታት ናብ ኣባይቶም ኣንሳሒቦም ጸኒሖም። ይኹን'ምበር ኣብ ንሓድሕዶምን ምስ ወጻኢ ዓለምን ርክብ ኣይበተኹን ጸኒሖም።

ብርግጽ ፍርሕን ስንባደን ነይሩ ኢዩ። ሞት ልዕሊ 100 ሰባትን ጾታዊ ዓመጽ ሓያሎን ኣብ ብዙሓት ከቢድ ራዕዲ ፈጢሩ ኢዩ።

ኣብ ከተማ ካርቱም፡ ነቲ ዝተጀመረ ተቓውሞ ክቕጽል ዝደልይዎ ሓያሎ ናይ ተቓውሞ መርበብ ከም ዘሎ ተዓዚበ። ድሕሪ እቲ ቅትለት ድሕሪ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ ወሰናስን ገለ ከተማታት ሰልፍታት ተጀሚሩ።

መንግስቲ ንመሪሕነት እቲ ተቓውሞ ክድምስሶ ኣይከኣለን ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቶም ዝተኣስሩ መራሕቲ'ውን ብኻልኦት ተተኪኦም ኢዮም።

እቲ ተቓውሞ ካብ ዝጅምር፡ መሓውራት ስለያ እታ ሃገር ንመርበብ ተጣበቕቲ መሰላት ክበስዕዎ ኣይከኣሉን። ክንዲ ዝኣሰሩ ሰባት እንተኣሰሩ ነቲ ስራሕ ተኪኡ ዝቕጽል ሰብ ኩሉ ግዜ ኣሎ።

ይኹን'ምበር ሜላታት ናይቲ ስርዓት ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ። ድሕሪ'ቲ ንዑመር ኣልበሽር ኣብ ምጅማር ወርሒ ሚያዝያ ካብ ስልጣን ዝኣለዮ ተቓውሞ፡ ሰራዊት ርእሰ-ተኣማንነቱ ኣበሪኹ ኢዩ። ምስግጋር ስልጣን ናብ ሲቪል ክውን ንኸይከውን ዝርርብ ሰላም ብዕላማ ከም ዝቛረጽ ይግበር።

ምምቕቓል ኣብ ሰራዊት

ጎይታ ኲናት ለተናል ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ብመገዲ እቲ ንተቓውሞ ዝዓፈነን ዝበተነን ምልሻ 'ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ' ኣቢሉ ቀንዲ ምርኡይ ብምዃን ጸብለል ኢሉ ኢዩ።

ካብ ከም ስዑዲ ዓረብን ኢማራት ዓረብን ዝኣመሰላ ሃገራት ፋይናንሳውን (ገንዘባዊ) ወታደራውን ሓገዝ እናረኸበ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወታደራዊ ቤት ምኽሪ፡ ንተቓወምቲ ንምግላል ዝከኣሎ ኩሉ እናገበረ ንዘተ ድሉው ኢየ ይብል።

እቲ ወታደራዊ መንግስቲ፡ ነገራት ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ እናምሰልካ፡ ጀነራላት ስልጣን ከም ዝቆጻጸሩ ምግባር ኢዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት ሰራዊት ዘየወላውል ምምቕቓል ናይ ኣረኣእያ ኣሎ። ገለ ስልጣን ሓመቲ ዘይተዋሕጠሎም ኣለዉ። ይኹን'ምበር እቶም ስግኣት ክፈጥሩ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሃሉ ማእከላይ ወታደራዊ ስልጣን ዘለዎም መኮንናት ከም ዝእለዩ ተገይሩ ኢዩ ።

ከምቲ ንዑመር ኣልበሽር ዘጋጠሞ ውሽጣዊ ዕልዋ ንኸየጋጥም ልዑል ጥንቃቐን ሓያል ምክትታልን ኢዩ ዝካየድ ዘሎ።

ሕጂ'ውን እንተኾነ ኣብታ ሃገር ምልክታት ዘይምርግጋእ እዩ ዘሎ። ተኹስታት፡ ዘንብዕ ትክን መውቃዕትን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰልፈኛታት ዝፍጸሙ ዘለዉ ተግባራት እዮም። ዋላ እኳ ብዙሕ ሞትን ጉድኣትን እንተነበረ መጠን እቲ ተቓውሞ ግን ዝያዳ ዝጥንክረሉ ኩነታት ክፍጠር ምኽኣለ።

ግን እዚ ኩሉ፡ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ስዑዲዓረብ ብተሕድሮ ጽልዋ ኮነ ኢልካ ዝተገትአ'ዶ ይኸውን? ሓመቲ'ኸ ብብዝሒ ሰልፈኛታት ተገሪሙ'ዶ ነይሩ?

እቲ ሰውራ ሕጂ'ውን ኣሞተን

እቲ ድሕሪ ሰነ 3 ሓያል ኮይኑ ዝተቐልቀለ ሓመቲ ሃንደበት ንሓይሉ ዝፈታተን ተኸሲቱ። ተቓዋሚ እታ ሃገር ዋላ እኳ ኣገልግሎት ኢንተርነት እንተተዓጽወ፡ ህዝቢ ዓለም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ርእይትኡ ንኽገልጽ ምንቕቓሕ ፈጢሩ እዩ። ስሙያት ድምጻውያን ሪሃናን ዋይክሊፍን ከይተረፉ ነጻነት ሱዳናውያን ክገሃድ ድጋፎም ገሊጾም።

ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ንሱዳን ካብቲ ውድብ ኣጊድዋ። ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ውን ኣሜሪካውያንን ኣፍሪቃውያንን ሸምገልቲ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዶም እዮም። ይኹን'ምበር ክሳብ ሕጂ ዝተገብሩ ዘተታት ሽምግልና ጭቡጥ ፍረ ከምጽኡ ኣይከኣሉን። ወትሃደራዊ መንግስቲ እታ ሃገር ሲቪላት ኣብ ቀንዲ ውሳነታት ክሳተፉ ክፈቅድ ኣይክኣለን።

ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ዝተለወጠ ነገር እንተሃለወ ግና፡ ናህሪ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ምንቅስቓስ ጥራሕ እዩ። ብዝሒ ሱዳናውያን ሰልፈኛታት ኣመና ወሲኹ ኣሎ፡ እዚ ንወትሃደራት እታ ሃገር ዘስግእ እዩ።

ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ሃዋህው ጀነራላት እታ ሃገር ስልጣን ናብ ሲቪል ከሰጋግሩ እዮም ዝብል ተስፋ ተገይርሉ ኣሎ። ብኻልእ ወገን ድማ ሓመቲን ካልኦት መለኽትን፡ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ስጉምቲ ክወስዱ ዝኽእልሉ ዕድል ኣሎ።

እዚ ማለት ድማ ገና ዘየብቅዐ ዝኸፍአ ደም ምፍሳስ ክህሉ ይኽእል'ዩ። እቲ ሳልሳይ ኣማራጺ ድማ ወትሃደራት እታ ሃገር ምስ ሰልፈኛታት ክውግኑ ይኽእሉ። እዚ ግና ኣብ ከተማታት ሱዳን ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ሕድሕድ ጎንጺ ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብዚ ጉዳይ ግደ ኣሜሪካን ስዑዲዓረብን ሕብረት ኣፍሪቃን ልዑል ክኸውን እዩ። ብፍላይ ከኣ ስዑዲዓረብ ወትሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን እንተስ ብፍቓዱ ወይ ድማ በስገዳድ ነታ ሃገር ከምሓድር ከም ዘይኽእል ንክሰማማዕ ዓቢ ተራ ክህልዋ ትጽቢት ይግበር።

ብሓፈሻ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ካብ ዝነበረ ኩነታት ሱዳን እንዕዘቦ ነገር፡ ሕጂ ውን እቲ ሰውራ ከም ዘይሞተ እዩ።

እዚ ሰውራ ዲሞክራስያዊት ሱዳን ጋህዲ ይገብር'ዶ ይኸውን? ዝብል ግና ብርግጽነት ምፍላጥ ኣይከኣልን።