ቀብሪ ጀነራል ኣብርሃ ወ/ማርያም (ኳርተር) ኣብ መቐለ ተፈጺሙ

ቀብሪ

ስርዓተ ቀብሪ ሓላፊ መምርሒ ወፍሪ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ከምኡ ድማ ኣዛዚ እዚ ደቡብ ምብራቕ ኮይኑ ዘገልገለ ጀነራል አብርሃ ወ/ማርያም (ኳርተር)፡ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ተፈጺሙ።

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ፡ ብላዕለዎት መራሕቲ እቲ ክልል ኣቀባብላ ዝተገበረሉ ሬሳ ጀነራል ኳርተር፡ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ዘተረኸበሉ፡ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ ናይ ምፍናው ስነስርዓት እውን ተገይርሉ እዩ።

ሓመድ ድበ ጀነራል ኣብርሃ፡ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ገብርኤል ዝተፈጸመ ክኸውን ከሎ፤ ኣብ ጎድኒ ብጾቱ ጀነራል ሰዓረን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን እዩ ተቐቢሩ።

እቲ ጀነራል፡ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ታይላንድ ሕክምና ክከታተል ድሕሪ ምጽንሑ እዩ ቅድሚ መዓልታት ዓሪፉ።

ብዛዕባ እዚ መገልጺ ዝሃበ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር)፡ ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር፡ ብዘጋጠሞ ሕማም ንኽልተ ሰሙናት ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ሕክምና ምስተገበረሉ፡ ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ታይላንድ ከምዝተልኣኸ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ጀነራል ቅልጡፍ ሕክምና ክረክብ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራልን ሚኒስተር ምክልኻልን ጻዕሪ ከምዝገበሩን እንተኾነ እቲ ዝሓደሮ ሕማም ከቢድ ብምንባሩ፡ ናይ ምድሓን ዕድሉ ዝጸበበ ከምዝኾነ ተነጊሩዎም ምንባሩ'ውን ሓቢሩ እዩ።

ቀብሪ

ጀነራል ኣብርሃ፡ ኣብ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ መዓርግ ሙሉእ ጀነራልነት ካብ ዝረኸቡ ኣርባዕተ ጀነራላት ሓደ እዩ።

ጀነራል ኣብርሃ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ መዝነት ምስመጸ፡ 1 ሓምለ 2010 ካብ ሓይልታት ምክልኻል ብጥሮታ ተሰናቢቱ።

ዝፈልጥዎ እንታይ ይብሉ?

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር ዝተረኸበ ጀነራል ታደሰ ወረደ "ኣብረሃ መደብ ክፍጽም መንቻኽ እዩ። ብህልኽ እዩ ዝፍጽም። ኳርተር ተዋሂብዎ ከይፈጸሞ ተረፉ ዝበሃል መደብ መደብ የለን" ይብል።

ኣዛዚ እዚ ምብራቕ እናሃለወ እውን ኣብ ክልል ሶማል ምርግጋእ ንምምጻእ ዓብዪ ተራ ከምዝተጻወተ ጀነራል ታደሰ ይገልጽ።

ተሓለቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፤ ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር ብኣዝዝነት ኣብ ዝመርሖምን ኣብ ክልል ሶማሌ ይካየዱ ምስ ዝነበሩን ውግኣት ብዝዛመድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሙ እዩ ኢሉ ነይሩ።

ጀነራል ታደሰ ወረደ ግን ኣብቲ ክልል እወንታዊ ተራ እዩ ተጻዊቱ እዩ ዝብል።

"ምስ ኦብነግን ኣልሸባብን መደበኛ ዘይኮኑ ውግኣት ይካየዱ ነይሮም። ብፍላይ ኣብቲ ጸረ ደባይ ውግኣት፤ ጸረ ሰላም ሓይልታት ኣጽርዩ ነቲ ክልል ኣብ ምርግጋእ ዓብዪ ስራሕ እዩ ሰሪሑ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ቀብሪ

ከም መሓዛ ዝነበሮ ውልቃዊ ባህርታቱ ክገልጽ እንከሎ ድማ "ስቕተኛ፣ ሕውስውስ በሃላይ'ውን ኣይኮነን። ብዙሕ ግዜ ኣብ ገዝኡ እዩ ዘሕልፍ፤ ቁጡብ እዩ" ክብል ይገልጾ።

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሩ ዝተዛረበ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራእ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) ድማ "ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር ብዙሕ ታሪኽ ሰሪሑ ናብቶም ዝተሰውኡ ብጺቱ ተሓዊሱ ኣሎ" ኢሉ።

"እዚ ብጻይና ብኣገልግሎት እንተኾይኑ፡ ልዕሊ ዝግበኦ ኣገልጊሉ እዩ" ድማ ኢሉ።

ደብረጽዮን

ጓሉ ብሌን ኣብርሃ ካብ ኣውስትራልያ ብድምጺ ኣብ ዝለኣኸቶ መልእኽቲ ድማ "ኣቦይ ንዓይ ፍሉይ ወላዲ እዩ። ናተይ ፍሉይ ፍቕረይ፤ ኩሉሻብ እፈትወካ፡ ኩላትና ድማ ንፈትወካ። ኩርዓትናን ጅግናናን ኢኻ" ኢላ።

ብሌን "ኣዮኺ ትግራይ፡ ኣዮኻ ህዝብና" ክትብል ድማ ኣብቲ ብድምጺ ዘሰደደቶ መልእኽቲ ተዛሪባ።

ጀነራል ኣብርሃ ወልደማርያም መን እዩ?

ብ ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 1953 ኣብ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ፡ እንዳባጻሓማ ተወሊዱ።

1971 ዓ.ም ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተጸምበረ ጅነራል ኣብርሃ፡ ካብ ተራ ተጋዳላይነት ክሳብ ላዕለዋይ መሪሕነት በጺሑ እዩ።

ቀብሪ

ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ድማ፤ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ኣገልጊሉ። ኣብ 1986 ዓ.ም ምክትል ኣዛዚ በጦሎኒ ብምዃን ናብ ሩዋንዳ ሰላም ንምዕቃብ'ውን ወፊሩ ነይሩ።

በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑን ዝኾነ ጀነራል ኣብርሃ፡ 21 ሰነ 2011 ዓ.ም ኣብ 58 ዓመቱ ኣብ ታይላንድ ባንኮክ፡ ኣብ ሕክምና እናሃለወ ብሞት ተፈልዩ።