ዲዛይነር ኣይፎንን ኣይፖድን ካብ ኩባንያ ኣፕል ክወጽእ'ዩ

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ንኣፕል ካብ ዓበይቲ ኩባንያታት ዓለምና ኣብ ምግባር ዕዙዝ ተራ ዝነበሮ ብሪጣንያዊ ሰር ጆኒ ኢቭ፡ ካብ ኣፕል ወጺኡ ናቱ ትካል ክገበር ምዃኑ ተፈሊጡ።

ዲዛይነር ኣይፎን፡ ኣይፖድን ኣይማክን ሰር ጆናታን፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ካብ ኣፕል ወጽዩ ኣብ ዝምስርቶ ትካል፡ ኩባንያ ኣፕል ቀዳማይ ዓሚሉ ክኸውን እዩ።

ነዚ ለውጢ ንምግባር ሕጂ እቲ ዝመችአ ግዜ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣካያዲ ስራሕ ኣፕል ቲም ኩክ ብወገኑ "ኣብ ተሓድሶ ኣፕል ዝነበሮ ተራ ቀሊል ኣይኮነን" ኢሉ።

ኣብ ሚያዝያ፡ ሓንቲ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ካብ መዝነታ ምእላያ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ምጉዳል መሸጣ ፍርያት እቲ ኩባንያ'ውን ኣብ ልዕሊ ኣውፈርቲ ሻቕሎት ፈጢሩን፡ እቲ ዓርሞሸሽ ኩባንያ ብዙሕ ለውጥታት ኣብ ዝገብረሉ እዋን እዚ ምግጣሙ ነቲ ብድሆ ከቢድ ይገብሮ።

ሰር ጆናታን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ድሕሪ ከባቢ 30 ዓመት ኣብ መወዳእታ ናይ ዲዛይን ጉጅለ ምፍጣሩ ከም ዘሕጉሶ ገሊጹ።

ብዛዕባ እቲ ዝምስርቶ ትካል 'ላቭ ፍሮም' ዝተገለጸ ሒደት እኳ እንተኾነ፡ ማእከሉ ኣብ ካሊፎርንያ ከም ዝኸውንን ዝልበስ ቴክኖሎጂ፡ ሓደ ካብ ዝነጥፈሎም ዓውድታት ምዃኑን ይግለጽ።

ሰር ጆናታን ኣብቲ ኣፕል ብሕጽረት ፋይናንስ ዝሳቐየሉን ሰራሕተኛታይ የጉድል ዝነበረሉ ኣብ 1996 'ዩ ሓላፊ ስቱድዮ ዲዛይን ኣፕል ኮይኑ። ኣብ 1998 ኣይ ማክ፡ ኣብ 2001 ድማ ኣይ ፖድ ኣፍረየ። ነዚ ስዒቡ፡

  • 2004 - ኣይፖድ ሚኒ
  • 2007 - ኣይፎን
  • 2008 - ማክቡክ አየር
  • 2010 - ኣይፓድ
  • 2015 - ኣፕል ዎች
  • 2016 - አየርፖድ ኣፍርዩ።

ኣብዚ እዋን ብህይወት ዘየሎ፡ መስራቲ ኣፕል፡ ስቲቭ ጆብስ፡ ሓደ እዋን ብዛዕባ ሰር ጆናታን ክዛረብ ከሎ፡ "ኣብ ኣፕል መንፈሳዊ ብጻይ እነተኣሎኒ፡ ጆኒ እዩ" ኢሉ።