ኣሜሪካ፡ ክንደይ ፕረዚደንታት ኣሜሪካ ሰብ ሞያ ሕጊ ነይሮም?

ኣብ 2020 ንፕረዚደንትነት ክወዳደሩ ዝሃቀኑ ኣባላት ዴሞክራቲክ ሰልፊ ኣመሪካ ንፈለማ እዋን ክትዕ ኣካይዶም ኣለዉ። ትራምፕ ድማ ዳግማይ ንክምረጽ ዝገብሮ ጎስጓስ፡ ኣብ ፍሎሪዳ ጀሚሩ'ሎ።

ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ንሕንሕ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ይጅምር ኣሎ። እሞኸ፡ ኣብ መረጻ ኣመሪካ ብኸመይ እዩ ዕውት ዝኽወን?

መን እዩ ፕረዚደንት ኣመሪካ ክኸውን ዝኽእል?

ፕረዚደንት ኣመሪካ እንተወሓደ ጓል/ወዲ 35 ዓመት፣ ኣብ ኣመሪካ ዝተወለደ ዜጋን ኣብ ሕቡራት ኣመሪካ እንተወሓደ ን 14 ዓመታት ዝተቐመጠን ክኸውን ኣለዎ ይብል ሕገመንግስቲ እታ ሃገር።

መብዛሕተኦም ሕጹያት ተወዳደርቲ ኣብ ፖለቲካ ክነጥፉ ዝጸንሑን ተመሪጾም ከም ሰኔተር፣ ኣመሓዳርቲ፣ ምክትል ፕረዚደንት፣ ወይ ድማ ኣባል ባይቶ (ኮንግረስ) ዝነበሩ እዮም።

ሓልሓሊፉ ከኣ፤ ካብ ውትህድርና ዝመጹ ኣለዉ፡ ንኣብነት ኣይዘንሃወር ወተሃደራዊ ጀነራል እዩ ነይሩ። ከም ትራምፕ፡ ካብ ንግዲ ዓለም ዝመጹ እውን ኣለዉ።

መብዛሕትኦም ኣብ ዘመናዊ እዋን ዝተወዳደሩ ሕጹያት፡ ናይ ዩንቨርሲቱ ዲግሪ ኣለዎም። ፍርቂ ካብ ፕረዚደንታት ኣመሪካ ድማ ብሕጊ ዝተመረቑ እዮም።

ኣመሪካ ኣብ ታሪኻ፡ ዝመረጸቶም ፕረዚደንታት ኩሎም ተኸተልቲ እምነት ክርስትናን ደቂ ተባዕትዮን እዮም።

ጎስጓስ ንኽንደይ መዓልታት ይካየድ?

ከም እንግሊዝን ፈረንሳይን ዝበላ ሃገራት ብሕጊ ዝተነጸረ ገደብ ግዜ ጎስጓስ ኣለወን። ንፕረዚደንትነት ኣመሪካ ዝወዳደሩ ሕጹያት ግና ክንዲ ዝደለይዎ ግዜ ክጉስጉሱ ይኽእሉ እዮም።

በዚ ድማ፡ ኣብ ኣመሪካ ናይ ምርጫ ጎስጓስ ንኣስታት 18 ኣዋርሕ እዩ ዝዘልቕ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንዳግማይ-መረጻ ዘድልይዎ ሰነዳትን ምድላውን ከማልእ ዝጀመረ ኣብ ጥሪ 2017 መፍትሕ ዋይት ሃውስ (ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ) ካብ ዝተቐበለሉ እዋን ጀሚሩ እዩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ምዃን - ዋላ'ውን ንምዃን ምፍታን - ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ዘድልዮ ዋኒን እዩ። ካብ ደገፍትኻ ገንዘብ ምትእኽኻብ ወይ'ውን ንጎስጓስ መረጻ ካብ ጁባኻ ብዙሕ ገንዘብ ክተውጽእ ግድን እዩ።

ኣብ መረጻ 2016 ዝተነሓንሑ ሂላሪ ክሊንተንን ዶናልድ ትራምፕን፡ ክልቲኦም ብድምር 2.4 ቢልዮን ቅርሺ እዮም ኣውጺኦም።

ዶናልድ ትራምፕ ንዳግማይ መረጽኡ ዛጊድ 30 ሚልዮን ዶላር ቅርሺ ኣተኣኻኺቡ ኣሎ። ካብኡ ቀጺሉ ብዙሕ ቅርሺ ሒዙ ዘሎ በርኒ ሳንደርስ እዩ፤ ዛጊድ 20.7 ሚልዮን ቅርሺ ንመረጽኡ ሒዙ'ሎ።

ቀንዲ ተናሓናሕቲ ሰልፍታት ኣመሪካ መነ መን እየን?

ብዙሓት ወሃብቲ ድምጺ ንክልተ ሰልፍታት ጥራይ እዮም ትኹረት ዝህቡ፤ ንሳቶም ድማ 'ዴሞክራትስ' ከምኡ'ውን 'ሪፓብሊካንስ' ዝበሃሉ እዮም።

ብዙሓት ኣመሪካውያን ንሰልፊ ሪፓብሊካን 'GOP' እናበሉ ብሳጉኡ እዮም ዝጽውዕዎ፤ እዚ ድማ 'ግራንድ ኦልድ ፓርቲ (Grand Old Party)' ንምባል እዩ።

ኣባላት ካልኦት ሰልፍታት ኣመሪካ እውን ሓሓሊፉ ኣብ መረጻ ይሳተፉ እዮም፤ ከም በዓል ሊበሪታርያን፣ ግሪን ከምኡ ድማ ኢንዲፐንደንት ዝበሃሉ ሰልፍታት ገለ ገለ እዋናት ሕጹያቶም የቕርቡ እዮም።

ኣብ 2020 ንፕረዚደንትነት ዝነሓንሑ በዓል መን እዮም?

ልዕሊ 20 ዝኾኑ 'ዴሞክራትስ' ካብ ሰልፎም ተሓጽዮም ንፕረዚደንትነት ክወዳደሩ ይነሓናሕ ኣለዉ።

ዛጊድ ካብ ዴሞክራትስ ቀንዲ ተነሓናሕቲ ኮይኖም ቀሪቦም ዘለዉ፤ ጆ ባይደን (ምክትል ፕረዚደንት ነበር)፣ ኤልዛቤት ዋረን (ናይ ማሰቹሰትስ ሴናተር)፣ በርኒ ሳንደርስ (ናይ ቬርሞንት ሰናተር) ከምኡ ድማ ካማላ ሃሪስ (ናይ ካሊፎርኒያ ሴናተር)።

ዶናልድ ትራምፕ፤ ሰልፊ ሪፓብሊካን ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ሓጋይ ብወግዒ ክሳብ ዘቕርቦ፤ ዛጊድ ንሰልፉ ዝውክል ወግዓዊ ሕጹይ ኣይኮነን።

እንተገደደ ሓደ ተነሓናሒ ክህልዎ እዩ - ነበር ኣመሓዳሪ ማሳቹሰትስ ቢል ዌልድ - ግን ከኣ ኣብ ሰልፊ ሪፓብሊካን ክንዲ ናይ ትራምፕ ዝና የብሉን።

ከመይ ገይርካ ኢኻ ኣብ ሓፈሻዊ መረጻ እትዕወት?

እቶም ዝተሓረዩ ናይ ዴሞክራትን ሪፓብሊካንን ሕጹያት ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ሓፈሻዊ መረጻ ክነሓንሑ እዮም።

"ብዝሒ ቁጽሪ መረጽቲ (ፖፑላር ቮት)" - ነብሲ ወከፍ ተነሓናሒ ካብ ህዝቢ ዝረኽቦ ብዝሒ ድምጺ - ተዓዋቲ ይገብሮ ማለት ኣይኮነን።

ናብቲ "ኢሌክቶራል ኮለጅ" ዝበሃል ኣሰራርሓ እዩ ዝኸይድ። እዚ ድማ ካብ 538 ድምጽታት እቲ 270 ድምጺ ዝረኸበ ተዓዋቲ ይኸውን ማለት እዩ።

በዚ ድማ ገለ 'ግዝኣታት' (ስቴትስ) ዝበለጸ ኣገደስቲ ይኾና ማለት'ዩ። ብበዝሒ ቁጽሪ መረጽቲ (ፖፑላር ቮት) ስዒርካ እንከለኻ፡ ብድምጺ 'ኢሎክቶራል' ግን ክትሰዓር ትኽእል ኢኻ። በዚ መገዲ ድማ ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራት ዝኾነ ኣል ጎር ኣብ 2000 ከምኡ ድማ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ 2016 ተሳዒሮም እዮም።

ኣብ ኢሎክቶራል ኮሌጅ፤ ነብሲ ወከፍ ግዝኣታት ብዝተወሰነ ብዝሒ "መረጽቲ" ይውከላ - እዚ ድማ ነብሲ ወከፍ ግዝኣት ኣብ ባይቶ (ኮንግረስ) ብዝህልወን መጠን ውክልና እዩ ዝውሰን።

እተን ዝዓበያ ግዝኣታት ካሊፎርኒያ (55)፣ ቴክሳስ (38)፣ ኒው ዮርክ (29)፣ ፍሎሪዳ (29)፣ ኢሊኖይስ (20) ከምኡ ድማ ፔንሰልቫንያ (20) እየን።

ካሊፎርኒያ፣ ኒው ዮርክን ኢሊኖይስን ድጋፈን ንዴሞክራትስ ዝህባ ግዝኣታት እየን፤ ቴክሳስ ድማ ካብ ቀደማ ናይ ሪፓብሊካን ጽንዕቲ ዕርዲ እያ። ፕረዚደንታዊ ንሕንሕ ብሓያሎ ዝካየደለን ግዛኣታት ኣብ ከም በዓል ኦሃዮን ፍሎሪዳን ዝኣመሰላ፤ ክልቲኦም ሰልፍታት ክስዕሩለን ዕደል ኣብ ዘለወን ግዝኣታት እዩ።

ጎስጓስ መረጻ ክካየድ ከሎ፤ ተነሓናሕቲ ክስዕሩለን ዕድል ኣብ ዘይብሎም ግዝኣታት ብዙሕ ግዘኦምን ገንዘቦምን ከጥፍኡ ኣይደልዩን።

ከም ኣይዳሆ፣ ኣላስካን ካልኦት ደቡባዊ ግዝኣታትን ከም ደገፍቲ ሪባብሊካን ስለዝሕሰባ ብምልክት እቲ ሰልፊ "ቀያሕቲ ግዝኣታት" ብዝብል ክግለጻ እንከለዋ፡ ዴሞክራትስ ዝዕብልሉለን ከም ኒው ኢንግላንድ ከምኡ ድማ ሰሜናዊ ምብራቕ ገማግም ዝበላ ኣከባቢታት ድማ ብምልክት ዴሞክራትስ "ሰማያዊ ግዝኣታት" እናተብሃላ ይግለጻ።

መረጻ ድምጺ ብነብሲ ወከፍ ግዝኣት እዩ ዝካየድ፡ እቲ ተዓዋቲ ድማ ሽዑ ምሸት እዩ ዝፍለጥ።

ድሕሪ ናይ መሰጋገሪ እዋን፤ እቲ ሓድሸ ፕረዚደንት ኣብ ወርሒ ጥሪ እዩ መዝነት ዝቕበል።