ኣምነስቲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ደገ ዘለዉ ተሓለቕቲ መሰላት ኤርትራ የሰራጢ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ስደት ዘለዉ ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ወኪላትን ደገፍትን መንግስቲ ኤርትራ ምስርጣይ የጋጥሞም ከም ዘሎ ኣምነስቲ ኢንትርናሽናል ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት ነቒፉ።
እቲ ማሕበር ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ "ዶብ ኣልቦ ምስርጣይ" ዝብል ጸብጻብ፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ኬንያ፡ ሆላንድ፡ ኖርወይ፡ ስዊድን፡ ስዊዘርላንድን ብሪጣንያን ዘለዉ ተሓለቕቲ ካብ ደገፍትን ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራን "መጥቃዕትታት" በጺሕዎም ኢሉ።
ኣብ ልዕሊ ሕጹይ ሽልማት ኖቤል ዝኾነ ኣባ ሙሴ ዘርኣይን፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ነበር ማርቲን ፕላውትን ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት'ውን ከም ኣብነት ኣቕሪቡ።
"ደገፍቲ [ህግደፍን] ሰበስልጣን መንግስትን ንነቐፍቲ መንግስቲን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈውርቂን ንምፍርራሕን ንምስርጣይን ዝተፈላለዩ ሜላታት ይጥቀሙ" ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል የረድእ።
ገለ ካብቶም ኣገባባት ድማ፡ "ናይ ሞት ምፍርራሕ፡ ኣካላዊ መጥቃዕትን ሓሶት ምንዛሕን" ይርከብዎም ይብል።
ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ንከምዚ ዓይነት ምስጣይን፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝበሃል ሰፊሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ክንነጽጉዎ'ዮም ዝስምዑ።
እቲ ጸብጻብ ንገለ ኣምባሳደራትን ሚኒስተራትን ኤርትራ ኣብቲ ምስርጣይን ምፍርራሕን ተሳቲፎም ክብል ጠቒሱ'ሎ።
እቶም ስሞም ዝተጠቕሰ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ንኣዳለውትን ተሳተፍቲን ኣብ ከተማ ለንደን ዝተኻየደ "ምህናጽ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ" ዘርእስቱ ዓውደ መጽናዕቲ "ብትዊተር ኣሰራጢዮም፡ ኣፈራሪሖምን ዘሊፎምን" ክብል እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ኣባላት ማሕበር መንእሰያት ህግደፍ (YPFDJ) ነቲ መጥቃዕትታት ኣብ ምክያድ ኣብ ቅድሚት ከም ዝስራዕ'ውን ኣምነስቲ ኣብ ጸብጻቡ ገሊጹ'ሎ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ደገፍቱ "ራብዓይ ግንባር" ዝቖመ ኣካል መንግስቱ ምዃኖም ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ።
እቲ ጸብጻብ ካብ 2011 ክሳብ ግንቦት 2019 ንዘጋጠሙ ፍጻሜታት ዝሰነደ ምኸኑ'ውን፡ ኣምነስቲ ሎሚ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣነጺሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







