ደገፍቲ መቐለ ሰብዓ እንደርታ፡ ንምንታይ ተኣሲሮም?

ሎጎ መቐለ ሰብዓ እንደርታን ኢትዮጵያ ቡና

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ድሕሪ ዝተኻየደ ጸዋታ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ መቐለ ሰብዓ እንደርታን ኢትዮጵያ ቡናን፡ ናብ መዐረፊኦም ይኸዱ ዝነበሩ ከባቢ 390 ደገፍቲ ጋንታ መቐለ ሰብዓ እንደርታ፡ ብፌደራል ፖሊስ ተዓጊቶም ናብ ጣብያ ፖሊስ ተወሲዶም።

መብዛሕተኦም ደገፍቲ ኣብቲ ዕለት ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ዝተፈትሑ እንትኾን፡ 30 ዝኾኑ ደገፍቲ ግና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ክጸንሑ ተገይሩ እዩ። ሎሚ መዓልቲ ድማ እቶም 19 ብዋሕስ ክፍትሑ ከለዉ ሓደ ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

ኣባል ኣመራርሓን ኣቦ መንበር ማሕበር ደገፍቲ መቐለ ሰብዓ እንደርታን መምህር ኣታኽልቲ ሃ/ስላሰ ካብ ሞንጎ ዝተኣሰሩ ብዋሕስ ከምዝተፈትሑ ብምርግጋጽ፡ ይኹን'ምበር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ማሕበር ደገፍቲ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ኣባል ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ዝኾነ ኣባሎም ካብ ካልኦት ተፈልዩ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ጨርቆስ ከምዝቐረበ ተዛሪቡ።

"ተኣሲሮም ካብ ሞንጎ ዝፀንሑ ደገፍትና፡ እቶም 19 ብታሴራ ዋሕስ ወፅዮም እዮም። ይኹን'ምበር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ማሕበር ደገፍቲ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ኣባል ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ዝኾነ ኣባል ዝኾነ ኣሸናፊ ኣብርሃ ካብ ካልኦት ተፈልዩ ሎሚመዓልቲ ብሽጉጥ ኣፈራሪሑና ብዝብል ተኸሲሱ ናብ ቤት-ፍርዲ ጨርቆስ ቀሪቡ" ኢሉ።

ኣሸናፊ ኣብርሃ ኣብቲ ዕለት ማሕበር ደገፍቲ እታ ጋንታ ብዝሃቦ ልኡኽ፡ ካብ ንጉሆ ሰዓት ሰለስተ ጀሚሩ፡ ኣብቲ ስታድየም ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝወዓለ ዝዛረብ መምህር ኣታኽልቲ፡ ጎንፂ ከይፍጠር ምስ ኣካላት ፀጥታን ክልቲአን ክለባትን ብምዃን ስራሕቲ መምርሕታት ይህብ ከምዝነበረ ሓቢሩ።

"ኣይኮነን'ዶ ኣካል እቲ ጎንፂ ክኸውን፡ ናይ ምርኣይ ዕድል እውን ኣይነበሮን። ጎንፂ ምስ ኣጋጠመ ካብ ስታድየም ሕደጉ ክንብል ክንወፅእ ከለና፡ ኣካላት ፀጥታ እቲ ስተድየም ምውፃእን ምእታውን ኣይፍቀድን ኢሎም ከልኪሎም ስለዝነበሩ፡ ኣሸናፊ ኣብተ ጎንፂ ዝነበሮ ከባቢ ኣይነበረን" ብምባል

"ኣብቲ ከባቢ ከምዘይነበረ፡ እቶም ናይ ስፖርት ፌደሬሽን ሰባት፣ ኮማንደራት ፌደራል ፖሊስን ኣመራርሓ ደገፍቲ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡናን'ውን ምስክር እዮም። ኣብ ዘይወዓሎ ምውንጃሉ ንምንታይ ምዃኑ ኣይተረድንን" ይብል።

ፖሊስ ንተወሳኺ ምርመራ ተወሳኺ መዓልቲ ስለዝሓተተ፡ እቲ ቤት-ፍርዲ ተወሰኽቲ ሓሙሽተ መዓልታት ከምዝፈቐደ ድማ መምህር ኣታኽልቲ ሓቢሩ።

ኣብ ኮምሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ምክትል ዳይረክተር ኢንዶክትሪነሽንን ርክብ ህዝብን ኮማንደር ፋሲካ ፋንታ ብወገኖም፡ ሎሚ ናብ ቤትፍርዲ ዝቐረበ ኣካል ከምዘየለ ብምግላፅ፡ ሎሚመዓልቲ ፡ ካብ ሞንጎ እሱራት 19 ደገፍቲ ከምዝተፈትሑ ኣረጋጊፆም።

እቶም ደገፍቲ ንምንታይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክውዕሉ ተገይሩ?

ኣባል ኣመራርሓን ኣቦ መንበር ማሕበር ደገፍቲ መቐለ ሰብዓ እንደርታን መምህር ኣታኽልቲ ሃ/ስላሰ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጠተረ ኩነታት እንትገልጽ ''ኩዕሶ ተወዲኡ ናብ ዝዓረፍናሉ ከባቢ 22 እንትንከይድ፡ ኣኪቦም ተኣኪብካ ምኻድ ከምዘይፍቀድ ተበታቲንና ክንከይድ ተነጊሩና፤ ብኡ መሰረት ተረዳዲእና እናኸድና እናሃለና፤ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝነበረ፡ ኣብ ኣክሱም ሆቴል፡ ሰባት ጠጠው ኣቢሎም መካላከያ፣ ፌደራል ፖሊስ፣ ክልል ፖሊስ ተኣኪቦም ኣብ ኣክሱም ሆቴል ከባቢ 380 ደገፍቲ ሒዞሙና፤ ድሕሪኡ ኦራላት ኣይፋ መካይን ኣምጺኦም ሓፊሶም ወሲዶሙና፤ ናብ ማእከላዊ'' ይብል።

ድሕሪ እዚ ጫመኦም ከውጽኡ ተገይሩ ክሳብ ሰላስተ ሰዓት ምስ ጸንሑ፤ ነቶም 350 ከም ዝሰደድዎምን፡ ነቶም 29 ሰባት ኣብ ማእከላዊ ነቲ ሓደ ድማ ኣብ ስድስተኛ ኣሲሮም ኣትሪፎምዎም ይብል።

''መእሰሪና ምኽንያት ሓቲትናዮም ነይርና፤ ኣብ መንገዲ ፖለቲካ ቃላት ተናጊርኩም፣ ኣነ ወያነ እየ፤ ኣነ ጌታቸው ኣሰፋ እየ፤ እዚ ህንጻ ወያነ ዝሰረሖ እዩ፤ ኢልኩም ገለ እዩ ዝብል'' ይብል መምህር ኣታኽልቲ። ብተወሳኺ፡ ነቶም ዝተወሰኑ ዘትረፍዎም ድማ ፍሉይ ምኽንያት ሃልዩዎም ዘይኮነስ፡ ጸጉርን ኣከዳድናን እናረኣዩ እዮም ኣትሪፎምዎም ይብል ።

ኣብ ኮምሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ምክትል ዳይረክተር ኢንዶክትሪነሽንን ርክብ ህዝብን ኮማንደር ፋሲካ ፋንታ ብወገኖም፡ ''ድሕሪ እቲ ጸዋታ ኣብ ከባቢ ባምቢስን መገናኛ ሃያ ሁለትን፡ ደገፍቲ መቐለ ሰብዓ እንደርታ እዮም ዝበሃሉን ብኡኡ ዝጥርጠሩን ሰባት ዕግርግር ንምፍጣር ፈቲኖም ነይሮም ነዚ ንምቁጽጻር ድማ ፖሊስ ምስ ጸጥታ ኣካላት ብምዃን ጥንቃቐ ብዝተመለኦ ናይ ምፍላይን፡ ኣብ ሰባት ግንዛበ ናይ ምፍጣርን ስራሕ እናተሰርሐ ነይሩ። ነዚ ዕሽሽ ዝበሉ ድማ ብምሓዝ ናይ ምጽራይ ስራሕ ጌርና ንፈትሖም ኣለና'' ኢሎም።

እቲ ዝፈጸምዎ ዘይተደለየ ተግባር እንታይ እዩ? ተባሂሉ ብቢቢሲ ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ ኮማንደር ፋሲካ ''ንናዕቢ ዘለዓዕሉ. ንባእሲ ምኽንያት ክኾኑ ዝኽእሉ፤ ንኣብነት ንካልኦት ደገፍቲ ዝኾኑን ዘይኮኑን ምልዕዓል፣ ዘይተደልዩ ጸርፊታት ምጽራፍ፣ ሓይልታት ጸጥታ እንትመኽርዎም ድማ ነገር ምድላይን'' ከምዝነበሩ ይዛረቡ።

ሎሚ ናብ ቤት-ፍርዲ ዝቐረበ ኣካል ከምዘየለ ዝገለፁ እቶም ኮማንደር፡ ሎሚ ካብ ሞንጎ እሱራት እቶም 19 ደገፍቲ ከምዝተፈትሑን ኣረጋጊፆም።

" ክሳብ ሰዓት 10 ንኹሎም ብዋሕስ ንክወፅኡ ተፈቒድሎም፡ ይኹን'ምበር ካብ ሞንጎ ተኣሲሮም ዝነበሩ 29 ደገፍቲ እቶም 19 ኣብ እዋኑ ዋሕስ ስለዘቕረቡ ወፂኦም እዮም። እቶም 10 ግና ዋሕስ ስለዘየቕረቡ፡ ዝዋሕስዎም ሰባት ንክመፅኡ እዮም ዝፅበዩ ዘለዉ። ካብ ቤትማእሰርቲ ወፅዮም፡ ዘጥፍእዎ መረዳእታ የለን፡ ዝሰርሕዎ ገበን እውን፡ ዋሕስ ዘኸልክል ኣይኮነን ኣብ ዝብል ምትእምማን ስለዝተበፅሐን፡ እቲ ሕጊ እውን ስለዝፈቅድ እዩ መሰል ዋሕስ ተፈቒድሎም" ይብሉ።

"ፖሊስ ኣዲስኣበባ መሰል ደገፍቲ ኣየኽበረን"

ካብ መፈለምትኡ እቶም ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝተረፉ ደገፍቲ 29 እንተይኮኑስ 30 እዮም፡ ፖሊስ እዚ ክኣምን ይግባእ ዝብል መምህር ኣታኽልቲ ግና፡ ከም ማሕበር ደገፍቲ እቲ ጋንታ ምላሽ እቶም ኮማንደር ከምዘይቕበልዎ ተዛሪቡ።

"ብመሰረቱ ዋሕስ ኣምፅኡ ተባሂልና፡ ዋሕስ ዝሰኣነ ሰብ የለን። ነቶም 10 ግና ዋሕስ ክነምፅእ ኣይተሓተትናን" ዝብል መምህር ኣታኽልቲ እቶም ዝተረፉ ደገፍቲ እሱራት እውን መሰሎም ኣይተኸበረሎምን ኢሉ።

" እቶም ዝተረፉ 10 ቆልዑ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ መሰሎም እዩ ነይሩ፤ ፖሊስ ኣዲስኣበባ ግና እዚ መሰል ደገፍቲ እዚ ኣየኽበረሎምን። እዚ ንባዕሉ ካብ ተሓታትነት ባዕሉ ናፃ ንምግባር ዋሕስ ፀዊዖም ስኢኖም ምባሉ ስሕተት እዩ" ብምባል ንምላሽ እቶም ኮማንደር ኮኒንዎ።

"ንሕና ኣብ ዝኾነ ይኹን ሰዓት ንዓቶም ንክንዋሓስ ድሉዋት ኢና" ድማ ኢሉ።

ንምዃኑ እቶም ዝተዛረቡዎም ነገር ዘለዓዕሉ ነገራት እንታይ እዮም ንዝብል ሕቶ ድማ ''ከምዚ ከምዚ ኢልካ ንሚድያ ምዝራብ ኣድላዪ ኣይኮነን'' ብምባል ክብርን ስብእናን ግለ ሰባት ዝትንክፉ ከምዝነበሩ ገሊጾም።

ኣጻርዮም ጥፍኣተኛ ዘይኮኑ ከምዝፈትሑን፡ ናይ ምዝራብ መሰል እቶም ደገፍቲ ብምጥሓስ ኣሲሮምዎም ንዝብል ሓሳብ መምህር ኣታኽልቲ ግን፡ ሰብ ምጽራፍን ምፍርራሕን ሕገ መንግስታዊ መሰል ኣይኮነን ክብሉ መሊሶም።