በርሊን ንሓሙሽተ ዓመት ወሰኽ ክራይ ገዛ ከይግበር ኣጊዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ጸጋማዊ ክንፊ ጀርመን፡ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ በርሊን ወሰኽ ክራይ ገዛ ከይግበር ዝእግድ ትልሚ ኣጽዲቑ።
ኣብታ ከተማ ክራይ ገዛይ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብምውሳኹ፡ ሰበ ስልጣን ህዝቢ ክጠልቦ ዝኽእል ፍታሕ ከናድዩ ብሰላማዊ ሰልፊታት ክሓትት ጸኒሑ።
እዚ ትልሚ ጸጋማዊ ክንፊ ድማ፡ ኣብቲ ዝመጽእ ወርሕ ጥሪ ሕጊ ኾይኑ ክጸድቕ ትጽቢት ይግበር። እዚ ኣብ 1.4 ሚሊዮን ኣባይቲ ተግባራዊ ዝኸውን እዩ።
ኣብ ዓለም ዘሎ ኩነታት ክራይ ገዛ ብምንጽጻር ጸብጻብ ዘውጽእ housinganywhere.com ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ፡ ልዕሊ በርሊን፡ ባርሴሎና፣ ሮተርድሃምን ሚላንን ዝርከብአን ካልኦት ሸውዓተ ዓበይቲ ከተማታት ኤውሮጳ ዋጋ ክራይ ገዛ ክቡር'ዩ ይብል።
ኣብ በርሊን ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2019 ጥራሕ 7 ሚኢታዊት ወሰኽ ገዛ ኪራይ'ዩ ተራእዩ።
እዚ ብሰኔት ከተማ በርሊን ጸዲቑ ዘሎ ሕጊ ድማ፡ ኣብ መላእ ጀርመን ግብራዊ ኮይኑ ለውጢ ከምጽእ ይትስፎ። ዞባዊ ባይቶ በርሊን ግን ገና ድምጺ ክህበሉ'ዩ።
ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል፤ መላፍንቲ እቲ እትመርሖ ሰልፊ ምስ ዝኾነ ንከተማ በርሊን ዘመሓድሩ ዘለው ጸጋማውያን ሶሻል ዲሞክራት ብምኻን፡ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ክንፈትሕ ኢና ኢላ ነይራ። እቲ ብቻንስለር መርከል ዝቐረበ መፍትሒ ግን፡ ኣባይቲ ምህናጽ ዝብል'ዩ ነይሩ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







