ቪተስ ዝተብሃለ ኣድጊ፥ ሕብሪ ካሮት ዘለዋ ናይ ስፖርት መኪና ክበልዕ ብምፍታኑ ወናኒኡ ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, McClaren/iStock
ቤት ፍርዲ ጀርመን፡ እቲ ኣድጊ ነታ ካሮት ዝሕብራ ናይ ስፖርት መኪና ክበልዓ ፈቲኑ ብዝብል፡ ወናኒኡ ንዝተፈፀመ ሓደጋ ክኸፍል ክውስን እዩ ተባሂሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 15 መስከረም ነይሩ፡ ማርኩስ ዛህን ካሮት ዝሕብራ ናይ ስፖርት መኪንኡ ኣብ ግዝኣት ሄሴ፡ ኣብ ጥቓ መአከቢ ኣድገ በቕሊ፡ ኣብ ዝርከብ መዕረፊ መኻይን ደው ዘበላ።
ቪተስ ዝተብሃለ ኣድጊ ድማ ዳሕረዋይ ክፋል'ታ መኪንኡ ከም ዝሓየኸሉ ይዛረብ።
ፖሊስ፡ ቪተስ እታ መኪና ካሮት መሲላቶ ተደናጊሩ ክኸውን ይኽእል ብምባል ገሊፁ ኣሎ።
ይኹን እምበር በዓል ዋና እቲ ኣድጊ፡ ንዝተፈፀመ ሓደጋ 6,000 ዩሮ ንዘይምኽሓስ እናሞገተ ይርከብ።
ቪተስ ገነበኛ ከይኸውን ይኽእል፡ብስሩ እውን ማርኩስ ዛህን፡ 300 ሽሕ ዩሮ ዝዋግኣ መኪንኡ ኣብ ጥቓ መአከቢ ኣድገ በቕሊ ደው ከብል ኣይምነበሮን ይብል።
ብዛዕባ እዚ ቆላሕታ መራኸቢ ሓፋሽ ዝረኸበ ጉዳይ፥ ቤትፍርዲ ጊሰን ሎምዓንቲ ሓሙስ ውሳነ ከመሓላልፍ ትፅቢት ይግበር።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







