ሱዳን፡ ተቓውሞታት ክሃድኡ ብምጅማሮም ዘተ ሱዳን ናብ ንቡር ክምለስ'ዩ

ሰለስተ ሰነ ቑጽሮም ዘይንዓቕ ሰልፈኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ምስተቐተሉ ግን፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ተቛሪጹ።

ሕጂ፡ ኢትዮጵያዊ ኣዛተዪ [ሞንጎኛ]፡ ሰልፈኛታትን ወተሃደራዊ መራሕትን ሱዳን ኣብ ቀረባ ናብ ዘተ ንክምለሱ ተሰማሚዖም ኢሉ።

እቲ ናይ ተቓውሞ ጥምረት ብወገኑ፡ ዝካየዱ ተቓውሞታትን ወተሃደራዊ መራሕቲ፡ ህዝባዊ ትእዛዝ ኣየተግበሩን ዝብሉ ወፍርታትን ጠጠው ከብሉን፣ ስራሕ ናብ ንቡር ክምለስን ተሰማሚዖም።

ኣብ ሚያዚያ፡ ፕሬዝደንት ዑመር ኣል-በሽር ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣለየ መንግስታዊ ምምሕዳራት ዝተቖጻጸረ ወተሃደራዊ ሓይሊ'ታ ሃገር ድማ፡ እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑ ከም ዝተሰማምዐ ፍሉይ ልኡኽ መሓመድ ድሪሪ ሓቢሩ።

ደገፍቲ ዲሞክራሲ ዝኾኑ ሰልፈኛታት፡ ምምሕዳር መንግስቲ ናብ ስቪል ክምለስ'ዮም ዝጠልቡ።

ሰለማዊ ሰልፊ ንክካየድ ዝጸውዐ ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን፡ እቲ ግዚያዊ ምቁራጽ ሰልፍን ተቓውሞን ብምድጋፍ፡ ሕጂ ሰባት ናብ ስርሖም ክምለሱ ጸዊዖም።

ገለ ድንኳናትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ድማ ክኽፈታ ጀሚረን።

እቶም ወተሃደራዊ መራሕቲ ንዘተ'ኳ እንተተሰማምዑ፡ ኣብ "ማዕረ" ምክፋል ስልጣን ክሰማማዕ ከም ዝኽእል ኣባል ግዝያዊ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዝኾነ ሳላሕ ዓብደልክሃሌክ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ኣብ ቀረባ ክካየድ ትጽቢት ዝግበር ዘተ ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ሽዱሽተ መሰረታዊ ቅድመ ኹነታት ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

ሓይልታት ተቓውሞ ንናጽነትን ለውጥን ዝተብሃለ ጉጅለ፡ ናብቲ ዘተ ከም ዘይቐርቡ'ዮም ዝዛረቡ። ንሕጂ፡ ክልቲኦም ወገናት ዝገብሩዎ ዘተ ተሳትፎ ዓለምለኻዊ መዛተዪ እንተሃልዩዎ'ዩ ቕቡል ዝኸውን።

  • ወተሃደራት ካብ ጎደናታት ምልጋስ
  • ነቶም ዝተፈጸሙ ቕትለታት ምርመራ ክካየደሎም ምግባር
  • ኩሎም እሱራት ምፍታሕ
  • ኢንተርነት ዳግም ከም ዝጅምር ምግባር
  • ናጽነት ፕሬስ ምርግጋጽ
  • ግዝያዊ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ነቶም ኣብ ሰልፈኛታት ዝተፈጸሙ ነገራት ሓላፍነት ክወስዱሎም ዝብሉ እዮም።

ክሳብ ሕጂ ከኣ እሱራት ኣብ ምፍታሕ ጥራይ እዮ ቃል ተኣትዩ ዘሎ።