እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍሪቃ-ኣሜሪካ፡ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ሱዳን ንምዝታይ ልኡኽ ክትሰድድ'ያ
ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ዘሎ ዘይምርግጋእ ክዝቲ ናብታ ሃገር ከምርሕ'ዩ።
ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ፡ "ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ጠጠው ክብል" ክጽውዕ'ዩ።
ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ እቲ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ስልጣን ናብቲ ሲቪል ንከመሓላልፍ ጸቕጢ ንምፍጣር ካብ ሰንበት ጀሚሮም ኣብ ናይ ስራሕ ኣድማ ይርከቡ።
ኣብቲ ሰልፊ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንብዒ ጋዝን ጠያይትን ብምጥቃሞም፡ ኣርባዕተ ሰባት ቐቲሎም።
መግለጺ ምምሕዳር ኣሜሪካ ከም ዝበሎ ድማ፡ ሚስተር ናዥ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብ ዘተ ንክምለሱ፡ "ሰልፊታት ሱዳን ምቹእ ባይታ ኣብ ምፍጣር ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ" ክብል ተማሕጺኑ።
ቲቦር ናዥ፡ ናብ ሞዛምቢክን ደቡብ ኣፍሪቃን ቅድሚ ምኻዱ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ክራኸብ'ዩ።
ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ካርቱም ተዛማዲ ጸጥታ ሰፊኑ'ዩ ውዒሉ፡ ገለ ትካላት ንግዲ ክኽፈቱ መካይን ድማ ኣገልግሎት ክህባ ጀሚረን ነይረን።
ኣብ ካልኦት ከባቢታት ናይታ ከተማ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ዱኳናት፣ ማእኸላት ዕዳጋን ባንክታትን ግን ተዓጽዮም ውዒሎም።
ድሕሪ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ተራኺቦም ምዝታዮም ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰለስተ መራሕቲ ሰልፈኛታት፡ ናብ ደቡብ ሱዳን ተሰጒጎም።
ከም ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ መራሕቲ ሰልፈኛታት ብፍሉጥ በዓል ሞያ ስነ ቑጠባ ተመሪሖም፤ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ዝኸውን ትልሚ ሓንጺጾም ኣለው።
ንሳቶም፡ ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ቑጠባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ንዝነበረ ዓብዱላህ ሃምዱክ ቐዳማይ ሚኒስትር ክኸውን ከም ዝመርጹ'ውን ሓቢሮም።
ካልኦት ኣብቲ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝቕመጡ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ሸሞንተ ሕጹያት'ውን ክመርጹ'ዮም።