እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ፡ ልዑል ቑጽሪ ዘለዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ዶባት ኣሜሪካ ይውሕዙ
ተቖጻጸርቲ ዶብ ኣሜሪካ ኣብ ቴክሳስ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ኣማኢት ሰባት ተታሒዞም።
ተቖጻጻሪ ዶብን ጉምሩክን ኣሜሪካ፡ እዚ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝተርኣየ 'ዘደንቕ ምውሳኽ' ቑጽሪ ስደተኛታት ኣፍሪቃ፡ "ሰብኣዊ ቅልውላው" እዩ ኢሉ።
ካብ 30 ግንቦት ጀሚሩ፡ ልዕሊ 500 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ዶብ ዴል ሪዮ ተራእዮም።
መብዛሕትኦም ስድራ ካብ ኣንጎላ፣ ካሜሮንን ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ዝመጽኡ ምኻኖም፡ ተቖጻጻሪ ዶብን ጉምሩክን ኣሜሪካ ሓቢሩ።
ዝሓለፈ ሰሙን 30 ግንቦት፡ ሓደ 116 ሰባት ዝሓዘ ጉጅለ ኣብ ደቡባዊ ዶብ እታ ሃገር በጺሑ'ዩ።
ሓለፍቲ ምቁጽጻር እቲ ዶብ፡ ኣብ ሞንጎ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ቋንቋ ጸገምን ፍልልይ ባህልን፡ ኣብቲ ዶብ 'ተወሳኺ ጽዕንቶ' የሕድር ኣሎ ኢሎም።
ከም ሓበሬታ ኤጀንሲ ምቁጽጻር ዶብን ጉምሩክን ኣሜሪካ፡ እቲ ኤጀንቲ ኣብዚ ሰዓት ብሓፈሻ 19 ሽሕ ሰባት ኣሲሩ'ዩ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ስድራን ህጻናትን ዝርከቡዎም 144,278 ስደተኛታት፡ ኣብ ደቡባዊ ዶብ ኣሜሪካ ኣትዮም።
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ድማ፡ ብኤጀንሲ ምቁጽጻር ዶብ ኣሜሪካ ካብ ዝተኣሰሩ ስደተኛታት 6 ህጻናት ሞይቶም።