እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ፡ ፖሊስ ነታ ከናፍር ውላዳ ዝሰፈየት ወላዲት ይሃድኑ
ፖሊስ ኬንያ ፖሊስ ነታ ከናፍር ውላዳ ዝሰፈየት ወላዲት ይሃድኑ ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኮሚሽነር ፖሊስ ዞባ ናኩሩ ጁልየስ ናያጋ፡ ተማሃሮ መባእታዊ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብርእሰ መምህሮም፡ ወለዶም እርሳስን መደምሰስን ክገዝእሎም ንኽሕብሩ ትእዛዝ ከም ዝሃቦም ብምሕባር እዚ መበግሲ እዚ ጉዳይ ከም ዝኾነ የብርህ።
ኣስዒቡ፡ ኣደ እዚ ህጻን ንወዳ ነቲ ርእሰ መምህር ባዕሉ እርሳስን መደምሰስን ክገዝእ ሓብሮ ከም ዝበለቶ ብምግላጽ ምስቲ መምህር ምስ ተራኸበት ግን ኣሉ ኢላ ይብል።
ኮሚሽነር ጁልየስ ናያጋ፡ እዛ ወላዲት ብድሕሪ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንክልተ ከናፍር ወዳ ከም ዝሰፈየቶ ጥርጣረ ከም ዘለዎም ንቢቢሲ ሓቢሩ።