ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል ክሎፕ፡ "ኣብ ሂወተይ እታ ዝበለጸት ምሸት" ክብል ነቲ ዓወት ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል ጀርገን ክሎፕ ትማሊ ምሸት ንግጥም ጎባልል ክለባት ኣውሮፓ ድሕሪ ምዕዋቱ ነታ ምሸት " ኣብ ናይ ፕሮፌሽናል ሂወትይ እታ ዝበለጸት ምሸት" ክብል ገሊጽዋ።
ሊቨርፑል፡ ንቶተንሃም፡ መሓመድ ሳላሕ ብፍጹም ቅላዕ ከምኡ'ውን ዲቮክ ኦሪጊ ኣብ ውዱእ ሰዓት ብዘመዝገብወን ክልተ ሸቶታት ተሓጊዛ'ያ ፡ ኣብ ታሪኻ ነዛ ዋንጫ ንሻድሻይ ግዜኣ ተዓዊታትላ።
ክሎፕ ኣብ 2015 ንሊቨርፑል ናይ ምስልጣን መዝነት ካብ ዝርከብ፡ እዛ ዋንጫ ናይ ፈለማ ዝዓበየት ናብ ከብሒ ሊቨርፑል ዘበረክታ ትኾነሉ ኣላ።
"ከም'ዛ ጋንታ እዚኣ ርኢኹምዶ ትፈልጡ? ገንኣ ነዳዲ ዘይብሉ እትቃለስ ጋንታ፤ በዞም ተጻወትቲ ኣዝየ ሐጉስ እየ። ልዕሊ ዝኾነ ከአ ንዐኦም እዩ ዝግባእ" ኢሉ።
ሊቨርፑል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ናብ መዛዘሚ ግጥም ጎባልል ክለባት ኣውሮጳ በጺሓ ብርያል ማድሪድ ከም ዝሳዓርት ይዝከር።
ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ግጥማት ፕሪመይር ሊግ'ውን ዓቢ ተወዳዳርነት ብምርኣይ፡ 97 ነጥቢ ኣዋህሊላ ብማንቸስተር ሲቲ ተበሊጻ፡ ካልኣይቲ ኮይና ውድድራ ዛዚማ።
"ኣብ ሂወትይ እቲ ዝበለጸ ህሞት"
ሓለቃ ጋንታ ሊቨርፑል ጆርዳን ሄንደርሰን "ብዘይ እዚ ኣሰልጣኒ'ዚ እዚ ናይ ሎሚ ዓወት ክዉን ኣይምኾነን" ብምባል እቲ ሞጎስ ንኣሰልጣኒ ጆርገን ክሎፕ ከም ዝግበኦ ተዛሪቡ።
ጆርዳን ሄንደርሰን፡ ኣብ 2011 ናብ ሊቨርፑል ዝተጸንበረ ኮይኑ ዓሚ ብርያል ማድሪድ ኣብ ዝተሳዓሩሉ'ውን ምስቶም ቀዳሞት ዝተሰለፈ ናይ ማእከል ሜዳ ተዓዋታይ እዩ።
"ዘለኒ ነዛ ጋንታ ካብ ምብርካት ድሕር ኣይበልኩን ኣይክብልን እውን እየ። ልክዕ ከም'ዛ ጋንታኣ ኣነ'ውን በዳሂ ዝኾነ እዋን እየ የሕሊፈ" ድሕሪ ምባል "ሕጂ ግን ኣብ ሂወትይ እቲ ዝበለጸ ህሞት እየ ዝጽንብል ዘለኹ፡ እዚ ከኣ ካብ ብህጻነይ ዝሓልሞ ዝነበርኩ እዩ" ኢሉ።
"ልዕሊ ዝኾነት ጋንታ ንዓና'ዩ ዝግበኣና"
ናይ የማን ተኻላኻላይ ኣሌክሳንደር ኣረኖልድ፡ ኣብ ኩሉ ግጥማት እዚ ዓመት፡ ንደቂ ጋንትኡ 16 ንሸቶ ዝኾና ውዱኣት ኮዓሳሱ ዘቐበለ፡ ናይ መጀመርታ ትሕቲ 21 ዓመቱ ኣብ ክልተ ተኸታተልቲ መዛዘሚ ጸወታታት ጎባልል ክለባተ ኣውሮጳ ክሳተፍ ዝኽኣለ ተጻዋታይ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።
ወዲ 20 ዓመት ኣሌክሳንደር ኣረኖልድ "ሕልሙ ኣብ ሊቨርፑል ክዉን ዝኾነሉ መንእሰይ ኮይነ ኣለኹ" ኢሉ።
"ብቃላት ሰሪዕካ ከተቕርቦ ከቢድ እዩ፡ በዳሂ ዝኾነ ዓመት ኢና ኣሕሊፍና፡ ልዕሊ ዝኾነት ጋንታ ከኣ እዛ ዋንጫ ንዓና እያ ትግባእ" ክብል እውን ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሳላሕ ዓሚ፡ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ሰርጅዮ ራሞስ ተጋጭዩ ካብ ጸወታ ዝወጻሉ፡ ሎሚ ዓመት ዝበለጸ ዓወተ እዩ ሓፊሱ።
ኣብ ካልኣይ ደቒቕ ንሊቨርፑል ዝተውሃበት ፍጹም ቅላዕ ድሕሪ ምምዝጋቡ፡ ሓምሻይ ኣፈሪቃዊ ተዓዋታይ ኣብ መዛዘሚ ግጥማት ጎባልል ኣውሮጳ ሸቶ ዘመዝገበ ክኸውን በቒዑ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሳላሕ "ኩሉ ሰብ ተሓጉሱ እዩ ዘሎ፡ ንተኸታታሊ ክልተ ዓመት ኣብ መዛዘሚ ግጥማት ጎባልል ክለባት ኣውሮጳ ክሳተፍ ምኽኣለይን ብዓወት ምዝዛሙን ዘሐጉስ እዩ" ኢሉ።
ብምስዓብ " እዚ ብናይ ውልቂ ክእለት ዝመጸ ዓወት ኣይኮነን፡ ምልእቲ ጋንታ ዘደንቕ ብቕዓት እያ ኣንጸባሪቓ። ዝግብኣ ከኣ ዓወት እዩ ነይሩ" ክብል ገሊጹ።
"ኣብ ሂወተይ ብዙሕ መሰናኽል እየ ሓሊፈ፡ ንሞያይ'ውን ብዙሕ ከፊለሉ እየ፡ ካብ ሓንቲ ንእሽተየ ቁሸት ናብ ካይሮ፡ ካብኡ ናብዚ፡ ዘይእመን ነገር እዩ" ክብል ተዛሪቡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







