እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሪያል ማድሪድ፡ ዝለዓለ ዋጋ እትግመት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ተባሂላ
ሪያል ማድሪድ ንማንችስተር ዩናይትድ ብምብላጽ እታ ዝኸበረት ኤውጳዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኮይና።
እታ ጋንታ 3.22 ቢልዮን ዩሮ ከም እትግመት፡ ፋንናንሳዊ ዓቕሚ ትካላት ዝግምግም ዓለማዊ ትካል ከይ ፒ ኤም ጂ ገሊጹ።
እቲ መጽናዕቲ ኣብ ዓመተ ውድድር 2016/2017፣2017/2918 ን ዝነበረ ናይ ጋንታታት ከስቢ፣ ናይ ፈነወ መሰል፣ ዝና፣ ስፖርታዊ ዓቕምን ዋጋ መጻወቲ መይዳን መሰረት ዝገበረ እዩ።
ንፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ ዝራኸባ ሊቨርፑልን ስፐርስን ሻብዓይን ታሽዓይን ደረጃ ሒዘን ይርከባ።
ንፍጻመ ኤሮጳ ሊግ ዝራኸባ ጋንታታት ቼልሲን ኣርሰናልን ድማ ሻድሻይን ሻምናይን ደረጃ ሒዘን ኣለዋ።
ማንችስተር ሲቲ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ዝተቐመጠት ኮይና፤ በዚ ድማ ቁጽሪ ኣብ ናይ መጀመሪያ ዓሰርተ ደረጃ ዝርከባ ጋንታታት እንግሊዝ ሽዱሽተ የብጽሐን።
ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተኻየደሉ ዓመተ ውድድር፡ ዋንጫታት ሻምፒዮንስ ሊግ ዝወሰደት ሪያል ማድሪድ፤ ዋግኣ ብዓሰርተ ሚኢታዊት ክውስኽ ኣኽኢሉዋ እዩ።
ስኮትላንዳዊት ጋንታ ሰልቲክ ኣብቶም ዓበይቲ 32 ጋንታታት ዝተኻተተት እንትትኾን፤ በዚ ድማ ኣብቲ ዝርዝር ዝኣተወት ፈላሚት ጋንታ ስኮትላንድ ኮይና'ላ።
ነዞም ጸብጻባት ዘዳሉ ኣንድሬ ሳርቶሪ ከም ዝገለጾ፡ ሓፈሻዊ ዋጋ ኢንዳስትሪ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ 9 ምኢታዊት ወሲኹ እዩ።
ዝርዝር ዓሰርተ ጋንታታት ብመጠን ዝግመታሉ ዋጋ
- ሪያል ማድሪድ - 3.224 ቢልዮን ዩሮ
- ማንችስተር ዩናይትድ - 3.207ቢልዮን ዩሮ
- ባየርን ሙኒክ - 2.696ቢልዮን ዩሮ
- ባርሰሎና - 2.676ቢልዮን ዩሮ
- ማንችስተር ሲቲ - 2.460ቢልዮን ዩሮ
- ቼልሲ - 2.227ቢልዮን ዩሮ
- ሊቨርፑል - 2.095ቢልዮን ዩሮ
- ኣርሰናል- 2.008ቢልዮን ዩሮ
- ቶተንሃም - 1.697ቢልዮን ዩሮ
- ዩቨንቱስ - 1.548ቢልዮን ዩሮ
ፍልፍል፡ ከይ ፒ ኤም ጂ
ሊጋት ኤውሮጳ ብምንጽጻር ክረአ ከሎ፡ ኣብተን 32 ዓበይቲ ጋንታታት፡ 9 ክለባት ዘለዉዎ ፕሪመርሊግ እንግሊዝ፡ 43 ምኢታዊት ጠቕላላ ዋጋ ናይተን ጋንታታት ብምሓዝ ፍጹም ጸብለልታ ከምዘለዎ ሳርቶሪ ይዛረብ።
ካብ ዝርዝር እተን ዓሰርተ ወጻኢ ዘለዋ ጋንታታት እንግሊዝ፡ ዌስት ሃም ዩናይትድ፣ ለሲስተር ሲቲን ኤቨርተንን እየን።
ሓሙሽተ ጋንታታት ካብ እንግሊዝ፣ ክልተ ካብ ካብ ስፐይንን ሓንቲ ካብ ጀርመንን ሓድሕደን ልዕሊ ክልተ ቢልየን ዩሮ ዝግመት ዋጋ ከም ዘለወን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።