ሁዋዌ፡ ኣንድሮይድ ዘይምጥቃሙ ብኸመይ ክጸልወኩም ይኽእል?

እቲ ኣብ ልዕሊ ሁዋዌ ተነቢሩ ዘሎ፡ ናይ ኣንድሮይድ መተግበሪ ከይጥቀም ዝኽልክል ቀይዲ፡ ንተቐባልነት ናይቲ ብሰሉስ ዕላዊ ዝኾነ ሓድሽ ሞዴል ተንቀሳቓሲ ቴለፎን ዝህልዎ ጽልዋ ቀሊል ኣይኸውንን።

ሁዋዌ ነታ ሓዳስ ዘፍረያ 'ኦነር 20 ሲርየስ' ዝዓይነታ' ተንቀሳቓሲት ተለፎን ንምልልይ ካብ መላእ ዓለም'ዩ መራኸቢ ብዙሓን ናብ ለንደን ዓዲሙ።

ፍርያት እቲ ትካል ንኣገልግሎት ጉግል ክጥቀም ዝኽእል'ኳ እንተኸነ፡ እቲ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ዘሎ ምስሕሓብ መዕለቢ ክሳብ ዘይረኸበ፡ እቶም ንመጻኢ ዘውጽኦም ፍርያቱ፡ ኣዝዩ ድሩት ኣገልግሎት ጉግል እዮም ክረኽቡ።

ጉግል ኣብ ልዕሊ ሁዋዌ ኣንቢርዎ ዘሎ ቀይዲ ግዚያዊ ድዩ ወላስ ንነዊሕ ዝኸይድ ዛጊት ኣይተነጸረን።

ጉግል ምስቲ ናይ ዓለምና ካልኣይ ዝዓበየ ናይ ኣንድሮይድ ቴለፎን ኣፍራዪ [ሳምሳንግ ብቀዳምነት ይስራዕ]፡ ዘለዎ ዝምድና ጨሪሱ ክብተኽ ዝደሊይ ኣይመስልን።

ጉግል ነቲ ዝምድና ከመሓይሾ ቤትጽሕፈት ኢንዳስትርን ጸጥታን ሕቡራት መንግስታት ክፍቅደ ይኽእል እዩ።

ግና እቲ ጉዳይ ብቕልጡፍ ምስ ዘይፍታሕ'ከ እንታይ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል?

ጉግል እንታይ'ዩ ዝገብር ዘሎ?

ኣሜሪካዊ ኩባንያ ጉግል ምስ ሁዋዌ ዝጸንሖ ዳርጋ ኩሉ ንግዳዊ ንጥፈታት የወንዝፍ ኣሎ።

እዚ ግና፡ ሁዋዌ ካብ ኩሉ ኣገልግሎት ኣንድሮይድ ተኸልኪሉ ማለት ኣይኮነን። መተግበሪ ኣንድሮይድ ንኹሉ ክፉት ብምዃኑ፡ ዝኾነ ትካል ብዘይ ዝኾነ ፍቓድ ኣመሓይሹ ከጥቀመሉ ይኽእል እዩ።

እንተኾነ ግና፡ መብዛሕትኦም ትካላት ኣብቲ ካብ ጉግል ዝረኽብዎ ደገፍ እዮም ዝምርኮሱ።

ብዘይካ'ዚ ጉግል፡ ነቲ ብላዕሊ ዝውሰኹ ከም 'ፕለይ ስቶር፡ ጂመይል፡ ጉግል ማፕ ዝኣመሰሉ መተግበሪታት ይቆጻጸር እዩ።

እዚ ንተጠቀምቲ ሁዋዌ ብኸመይ ይጸልዎም?

ሁዋዌ ከምኡውን ኦነር ቴለፎናት፡ በቲ ኣቐዲሙ ዘሎ ወዕል መሰረት ዝፈረያ ብምዃነን፡ ካብ ኣገልግሎታት ጉግል ኣይክልከሉን እዮም። ጉግል ሓደስቲ ናይ ደሕንነት መሐለዊታት (ሰኪዩሪቲ ኣፕዴትስ) ክዝርግሕ ከሎ ግና ክጥቀምሉ ኣይክእሉን እዮም።