ኬንያ፡ 22 ኢትዮጵያዊያን ኣብ ናይሮቢ ተታሒዞም

ፖሊስ ኬንያ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ተሓቢኦም ናብ ናይሮቢ ይጓዓዙ ነይሮም ንዝበሎም 22 ኢትዮጵያዊያን ከምዝቐየደ ገሊጹ።

እቶም ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ዝተትሓዙ ኢትዮጵያውያን ብኽልተ መካይን ይጓዓዙ ከምዝነበሩ'ውን ፖሊስ ኬንያ ገሊጹ።

ካልኦት ክልተ ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ምስኦም ከምዝተቐየዱ እውን ተሓቢሩ'ሎ።

እቶም ዝተቐየዱ ኢትዮጵያውያን ንፖሊስ ክዛረብ እንከለዉ፡ ዝሓሸ መነባብሮ ደልዮም ብኬንያ ንታንዛንያ ሰጊሮም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይጓዓዙ ከምዝነበሩ ገሊጾም።

ካብቶም ዝተኣሰሩ ሰባት እተን 17 ደቂ ኣንስትዮ ክኾና እንከለዋ፡ እቶም ኣስገርቲ ድማ ኬንያውያን እዮም።

እቶም ስደተኛታት፡ ንኣስገርቲ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከምዝኸፈሉ ኣይተፈልጠን።

ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ብኬንያ ኣቢሎም ክሰግሩ እንትብሉ ከምዝተሓዙ ሰብመዚ ኬንያ ይገልጹ። መብዛሕተኦም ድማ፡ ዝሓሸ መነባብሮ ደልዮም ናብ ካልኦት ሃገራት ዝሰግሩ እዮም።

እቶም ኢትዮጵያውያን፡ ካብ ሞያሌ ተበጊሶም ናይሮቢ ክሳብ ዝኣትዉ ልዕሊ ዒስራ ናይ ፈተሻ ናቑጣታት ሓሊፎም እዮም። እዚ ድማ ንሰብ መዚ ድሕነት ኬንያ ዘሕስብ ኮይኑ'ሎ።

ገለ ሰብ መዚ ከምዝብልዎ፡ ከምዚ ዓይነት ዘይሕጋዊ ጉዕዞታት ኣስገርትን ኣባላት ጸጥታን ተመሳጢሮም ዝፍጽምዎ እዩ።