ቅልውላው ሊቢያ፡ እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ ንመደብር ጀነራል ሃፍጣር ከምዘጥቅዐ ኣፍሊጡ

ብጀነራል ካህሊፋ ሃፍጣር ዝምራሕ ሰራዊት፡ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ትሪፖሊ ንምቁፅፃር ዝጀመሮ ወፍሪ ኣጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብጀነራል ካህሊፋ ሃፍጣር ዝምራሕ ሰራዊት፡ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ትሪፖሊ ንምቁፅፃር ዝጀመሮ ወፍሪ ኣጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ

እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ፡ ነቲ ትማሊ ኣብ ሊቢያ፡ መደብር ወተሃደራዊ ስልጠና ጀነራል ሃፍጣር፡ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ።

ፀብፃብ ሆስፒታል ከምዝሓበሮ በቲ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ሳብሃ ትሽዓተ ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ እታ ሃገር ዝዓረዱ ሓይልታት ጀነራል ሃፍጣር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ብዝነበረ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ብነዳዲ ሃፍታም ዝኾኑ ቁልፊ ቦታት ተቖፃፂሮም እዮም።

ሕዚ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ብምድሃብ፡ ንርእሰ ከተማ እታ ሃገር ትሪፖሊ ንምቁፅፃር ይዋግኡ ኣለዉ።

እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ ብኦንላይን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ከተማ ሳባህ ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ 16 ሰባት ምቕታሉ ወይ ድማ ምቑሳሉ ብምሕባር፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ እሱራት ከምዘውፅአ እውን ገሊፁ።

ሓደ ኣዛዚ ሰራዊት ንሮይተርስ ከምዝሓበሮ ድማ ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ መደብር ዝነበረ ቤትማእሰርቲ ከም ዝተደብደበ ብምግላፅ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።

ከንቲባ እቲ ከባቢ ሓመድ ኣል-ካህያሊ ነቲ ማዕኸን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓደ ወተሃደር ከም ዝተሰየፈን፡ ካልኦት ሸውዓተ ወተሃደራት ብግፍዒ ከም ዝተቐለን ገሊጹ።

ጀነራል ካህሊፋ ሃፍጣር፡ ንመንግስቲ ሊቢያ ከብ ሞንጎ ዝነሓንሑ ክልተ ጉጅለታት ምስቲ ሓደ ስምረት ብምፍጣር እዮም ዕጥቃዊ ቃልሲ የካይዱ ዘለዉ።

እቶም ጀነራል ሃገራዊ ሰራዊት ሊቢያ ኢሎም ብዝሰመይዎም ሓይልታቶም፡ ካብ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጀሚሮም፡ "ኣሸበርትን ገበነኛታትን ጉጅለ" ንዝበልዎም የጥቅዑ ኣለዉ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ጀነራል ሃፍጣር ሰራዊቶም ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ትሪፖሊ ንከቕንዑ ምእዛዞም ይዝከር። ይኹን'ምበር ኣፍልጦ ማሕበረሰብ ዓለም ምስዘለዎን ብሕቡራት ሃገራት ምስ ዝድገፍን መንግስቲ'ዮም ፊት ንፊት ገጢሞም።

ነዚ ስዒቡ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊቢያ ፋይዝ ኣል-ሴርዣ ንትሪፖሊ ኣሕሊፎም ከምዘይህቡን፡ ንጀነራል ካሊፋ ሃፍጣር 'ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዶም' ክብሉ ምኹናኖም ይዝከር።