ናይጀርያ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር 14 ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይጀርያ፡ ዞባ ክቲሲና ብረት ዝዓጠቁ ጉጅለ ንክልተ ዓድታት ብምጥቓዕ 14 ሰባት ከም ዝቐተሉ፡ ኣባል ባይቶ እቲ ዞባ ዓብዱል ጀላል ሁሪና ሩንካ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ዓብዱል ጀላል ሁሪና ሩንካ ብተወሳኺ፡ እዞም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጉጅለታት ብሞተርሳይክል ( ቱግቱግ ) ብምምጻእ፡ ብጥይት ሰባት ቀቲሎም ገዛውቲ ኣቃጺሎም ካብቲ ከባቢ ከም ዝተሰወሩ ኣፍሊጡ።
ኣብዘን እዞም ዕጡቓት መጥቃዕቲ ዝፈጸሙለን ጎቢራዋን ሳባዋን ዝተባሃላ ዓድታት፡ ሓያለ ዝቆሰሉ ሰባት ከም ዘለዉ'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እዚ ብሰሉስ ምሸት ዘጋጥመ መጥቓዕቲ፡ ኣብቲ ከበቢ ጥራሕ ኣብ ውሽጢ እዚ ሰሙን ንኻልኣይ ግዚኡ ብምኻኑ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ሻቕሎት ፈጢሩሎም ይርከብ።
መንግስቲ ናይጀርያ ነቲ ዞባ ንምርግጋእ ሰራዊትኳ እንተሰደደ እቲ ዞባ ግን ገና ሰላም ኣይሰፈኖን ዘሎ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







