እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሃጸይ ጃፓን ኣኪሂቶ፡ ካብ ዙፋን ሃጸይነቱ ከም ዝወርድ ሓቢሩ
ሃጸይ ጃፓን ዝኾነ ኣኪሂቶ ሰሉስ ካብ ዙፋን ሃጸይነቱ ከም ዝወርድ ብምሕባሩ፡ ኣብ ውሽጢ 200 ዓመታት ዘበነ ሃጸይነት ጃፓን እቲ ናይ መጀመርታ ብገዛእ ፍቃዱ ስልጣኑ ዝለቅቕ ዘሎ ሃጸይ ክኸውን እዩ።
እቲ ስነ ስርዓት፡ ብዝተፈላለዩ ባህላዊ ጽንብላት ተሰንዩ ኣብ ቤተ መንግስቲ እቲ ሃጸይ እዩ ክካየድ።
እዚ ወዲ 85 ዓመት ሃጸይ ጃፓን፡ ብሰንኪ ጉድለት ጥዕናን ምድፋእ ዕድመን ዕማማቱ ክፍጽም ይጽገም ስለ ዘሎ ካብ ስልጣኑ ክእለ ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪቡ ተቐባልነት ስለዝረኸበ'ዩ ካብ ዙፋኑ ዝወርድ ዘሎ።
ወዱ ንሃጸይ ኣኪሂቶ ልዑል ናሪሂቶ፡ ካብታ ትቕጽል መዓልቲ ጀሚሩ ንዙፋን 'ክሪዛንተሞ' ተረኪቡ ሃጸይ ጃፓን ኮይኑ ክቕጽል እዩ።
ኣብ ጃፓን፡ ሃጸያት ኣብ ፖሎቲካዊ ውሳነታት ተራ ዘይብሎም ኮይኖም ከም ምልክት ኩርዓትን ሃገራዊ ተምሳሌትን ኮይኖም እዮም ዝውሰዱ።
ሃጸይ ኣኪሂቶ ኣብ ዘበነ ሃጸይነቱ፡ ንሕሙማትን ግዳያት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ዝገብሮ ዝነበረ ምትሕግጋዝ ኣብ መላእ ጃፓን ተፈታውነት ዝነበሮ ሃጸይ እዩ።