እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቶክዮ ጃፓን፡ መኪና ንሓዲሽ ዓመት ናብ ጸሎት ዝኸዱ ምስ ዝነበሩ እግረኛታት ተጋጭያ
ኣብ ከተማ ቶክዮ ጃፓን፡ ንእሸቶ ኣውቶቡስ እናዘወረ ንሓድሽ ዓመት ከብዕሉ ኣብ ፍሉጥ ጎደና ቶክዮ ንዝነበሩ እግረኛታት ጠኒኑ ብምእታው 8 ሰባት ክጉድኡ እንከለው ሓደ ሰብ ድማ ብጽኑዕ ተጎዲኡ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
እቲ ናይ መኪና መጥቃዕቲ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ እዩ ኣጋጢሙ።
እቲ ጎደና ንተሸከርከቲ ተዓጽዩ ከም ዝነበረን፡ ናይ ሓድሽ ዓመት ጸሎት ክገበሩ ንቤት-መቕደስ ዝኸዱ ዝነበሩ ህዝቢ መሊኡ ከም ዝነበረን ተፈሊጡ።
ኤ ኤፍ ፒ ከም ዝሓበሮ፡ ፖሊስ ሓደ ወዲ 21 ዓመት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእቲዩ ከም ዘሎን፡ እቲ ሰብ ንምቕታል ሃቂኑ ከምዝገበሮን ሓቢሮም።
ካብ መንግስታዊ ኣገልግሎት ቴሌቪዠን ዝተወስደ ምስሊ፡ እታ መኪና ቅድሚታ ተሰባቢሩ ከም ዝነበረን፡ ሓካይም ነቶም ዝተጎድኡ ኣብ ቃሬዛ ተሰኪሞም ናብ ውሽጢ ኣምቡላስ ከእትው እንከለው የመልክት።
ግዳይ እቲ ሓደጋ ዝኾነ ሓደ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ጽኑዕ ኩነታት ኮይኑ፤ ኣብ ሆስፒታል ሓገዝ ይረክብ ከምዘሎን ተፈሊጡ'ሎ።
ጎደና ሺቡኣ ፍሉጥ ናይ ዕዳጋ ማእከልን ንመንእሰያት ዝስሕብ ቕዲ ኣከዳድና ዝእንግድ ቦታ ኾይኑ፡ ብዙሓት በጻሕቲ ዓዲ ዝስሕብ ኢዩ።