እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም
እዞም ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ፡ ሃገራዊ ዕርቂ ክካየድ ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቶም ዘሕለፉ ጳጳሳት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተበጽሐ ዕርቀ ሰላም ብምምስጋን እሱራት ክፍትሑ፡ ዝተሰደ ክምለስ፡ መነባብሮ ክልቲኡ ህዝቢ ዝተንከፈ ዶባት ንረብሓ ክልቲኡ ህዝቢ ብዘርብሕ ኣገባብ ተሓንጺጹ ንቡር ህይወቱ ንክሕደስ ኩሉ ኣድላይ ዘበለ ጻዕሪ ንኪግበር ኣተሓሳሲቦም።
ንጽሑፎም "ሰላም ንኹሉ" ብዝብል ሃዋርያዊ ቃል ክሰምዩዎ ከምዝመረጹ ዝሓበሩ ጳጳሳት፡ እዚ ንኣስታት ሚእቲ ዓመት ካብ ሽግርን መከራን ዘይተላቐቐ ህዝቢ፡ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም እውን እንተኾነ፡ ዝምስገን ፍታሕን ተስፋን ከምዘይረኸበ፡ በንጻሩ ንህላዌን ቀጻልነትን ሃገርን ህዝብን ብዘሰክፍ፡ ዋሕዚ ስደትን ፍልሰትን ብምቕጻሉ ኣዚዩ ከምዘተሓሳሰቦም ብምጥቃስ፡ ፈጣሪ ነታ ሃገር ምሕረቱ ከውርደላ ተመንዮም።
ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ገጢሙዎ ዘሎ መከራን ሕሰምን ብሓንቲ ፍታሕ፡ ንሳ ከኣ ብዘተን ልዝብን ብዕርቅን ሕድገትን ጥራሕ ከምዝናገፍ ዘረድኡ እዞም ጳጳሳት፡ ወንጌል ማቴዎስ" ዝተፈላለየት ቤት ክትቀውም ኣይትኽእልን'ያ" ከምዝበለ ብምዝኽኻር፡ እቲ ዘተን ዕርቅን ምስ ጎረባብቲ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብቐንዱን ብዝያዳን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ምስ አሕዋትን ኪግበር ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እቲ "ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ" ዝብል ጭርሖ፡ ዘረባ ጥራሕ ኮይኑ ከይተርፍ ብግብሪ ክስርሓሉ ከምዝግባእ መኺሮም።
እዚ ዕርቀ ሰላም'ዚ፡ ነቲ ዶቡን ወደቡን ዘውሓሰ፡ መንነቱን ልዑላውነቱን ብመስዋእቱ ዘረጋገጸ፡ ሓላል ህዝቢ ርእሱ ዘቕንዕ፡ ሰላምን ርግኣትን ዘረጋግጽ፡ ዕርቀ ሰላም መታን ኪኸውን፡ ኣሰር ቀዳሞት ኣበዋት ዝኽተል ናይ ይቕሬታን ሕድገትን፡ ኣብ ሓቅን ፍትሕን ዝተመርኮሰ ዕርቅን ምሕረትን ኪፍጸም ኣድላይ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሓድነትን ስኒትን ብልቡን ሕልናኡን ክደልያን ክስዕባን ኣተሓሳሲቦም።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ንዝሓለፈ ኩሉ ጸገማቱ ብዕርቀ ሰላም ዛዚሙ፡ ንርሁው መጻኢ ብፍቕርን ስኒትን ንቕድሚት ክጥምት ዝመኸሩ እዞም መንፈሳውያን መራሕቲ፡ ዕርቅን ምሕረትን ምግባር ናይ ጀጋኑን ተባዓትን እምበር ናይ ፈራሓት ከምዘይኮነ ብምሕባር ህንጸት ሃገር ብዘይ ልባዊ ፍቕርን ሓድነትን ፈጺሙ ከምዘይዕወት ኣርጊጾም ኣስሚሮሙሉ።
ኣብ መወዳእታ እቶም ጳጳሳት፡ ሓፈሻዊ ናይ ዕርቅን ምሕረትን ኣዋጅ መደብ ክወጽእ፤ ብድሕሪኡ ሃገራዊ ኮሚቴ ዕርቀ-ሰላም ቆይሙ፡ ብደረጃ ሃገር ብንጹር መደባት ሓቅን ዕርቅን ተጎሳጒሱ ነቲ ኣብ ውጥረትን ስግኣትን ዘሎ ኵነታት ኣልዩ፡ መንፈስ ምቅራብን ምዝርራብን ከረጋግጽ።
ብምሕረትን ሕድገትን ናብ ምሉእ ሰላም ምብጻሕን ካብ ዝሓለፈ ምዕራፍ ትምህርትን ተሞኩሮን ተቐሲሙ ናብ ሓዲሽ መድረኽ ኪሰጋግር። ኣብ መራኽብ ብዙሓን ይኹን ኣብ መዕበያውን ትምህርታውን መደባት፡ ንሰላምን ዕርቅን ዝዕድም ቋንቋ ክዝውተር ጸዊዖም።
እቶም ስሞምን ክታሞምን ኣብቲ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘንበሩ ኣርባዕተ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣-
- ኣባ መንግስትኣብ ተስፋማርያም፣ መንበረ ኣስመራ
- ኣባ ቶማስ ዖስማን- መንበረ ባረንቱ
- ኣባ ኪዳነ የዕብዮ- መንበረ ከረን
- ኣባ ፍቕረማርያም ሓጎስ ካብ መንበረ ሰገነይቲ'ዮም።