ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል፡ ጉዳይ ኤርምያስ ተኪኤ ብቕልጡፍ ክዛዘም መምርሒ ኣመሓላሊፉ

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ መርመራ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኤርሚያስ ተኪኤ ብቕልጡፍ ክዛዘም መምርሒ ኣመሓላሊፉ።

ቤት ጽሕፈት እቲ ዓቃቢ ሕጊ ብ3 ሕዳር 2012 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ናብ ቤት ጽሕፈት ገበንን ሓደጋ ትራፊክን ፖሊስ ኮሚሽን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ደሃይ ኤርሚያስ ተኪኤ ንምፍላጥ ዝካየድ መርመራ ኣብ መስርሕ እንተድኣ ሃልዩ፡ እቲ ጉዳይ ምስ ዝምለከቶም ኣካላት ብምኻን ብቕልጡፍ ዝውድአሉ መስርሕ ክፍጠር ኣለዎ ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ እዚ ገበን ዝፈጸሙ ውልቀሰባት ተሓተትቲ ዝኾንሉ ኩነታት ክፍጠር ኣተሓሳሲቡ።

ስድራ ኤርሚያስ ተኪኤ፡ ፖሊስ ነዚ ጉዳይ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ፡ ዝሓሸ ክእለትን ፍልጠትን ዘለዎም መርመርቲ ወዲቡ፡ እቲ ምርመራ ብዕምቆት ንክፍጸም ሓቲቶም ነይሮም።

ኣብ ሽወደን ጠበቓ እርምያስ ተኪኤ ኣቶ ሙሴ ኤፍሬም፡ ጉዳይ ሃለዋት ኤርምያስ ንምፋላጥ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጠበቓ ኤርምኣስ ኣቶ ኣመሃ መኮነን ብምኳን ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ ናይ ይግባይ ከምዝበሉን፡ ጉዳይ መርመራ፡ ሕገመንግስቲ እታ ሃገር ብዝፈቕዶ መስርሕ ክፍጸም ጥርዓን ከም ዘቕረቡ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ወርሒ ዝጸሓፎ ደብዳበ ትማሊ ዓርቢ [13 ታሕሳስ 2019] ናብ ኢዱ ከም ዝበጽሖ ዝገልጽ ጠበቓ ሙሴ፡ እዚ ተስፋ ከም ዝሃቦም ሓቢሩ።

"ይኹን'ምበር ድሕሪ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ምዕባለ እንተዘይተራእዩ፡ ሕጊ እታ ሃገር ዝጠልቦም ነገራት ኣብ ምጽባይ ዓቕልና ስለ ዝተጸንቀቐ፡ ናብ መሰል ደቂ ሰባት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ጥርዓን ከነቕርብ ኢና" ኢሉ።

ኤርሚያስ ተኪኤ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙዎ?

ኤርምያስ ኣብ ግንቦት 2018 ካብ ስቶክሆልም ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታው ድሕሪ ገለ ሰሙናት መንነቶም ብዘይተፈለጠ ሰባት ካብቲ ኣዕሪፍሉ ዝነበረ ሆቴል ተወሲዱ ክሳብ ሕጂ ድማ ኣበይ ከም ዘሎ ክፍለጥ ኣይተኻእለን።

ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኤርምያስ ተኪኤ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ በዓል ሓዳር ኮይኑ፡ ካብ ሃገሩ ተሰዲዱ ኣዕቚቡላ ዝርከብ ሃገረ ሽወደን ካብ ዝኣቱ ልዕሊ 12 ዓመታት ኢዩ ኣቑጺሩ።

ኤርምያስ ኣዝዩ ጽቡቕ ስነ-ምግባር ዘለዎን ምስ ሰባት ጽቡቕ ርክብ ናይ ምፍጣር ትዕድልቲ ዝተዋህቦን ምዃኑ መቕርቡ ይዛረቡ።

ምቕማጡ ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ዝነበረ ኤርምያስ፡ ከም ኩሉ መንእሰይ ኣብ ልዕሊ ናይ ትውልዲ ሃገሩ ፍሉይ ፍቕሪ ዘለዎን ፍትሒ ንምንጋስ ይንቀሳቐስ ምንባሩን ሓው ኢሳያስ ተኪኤ ይገልጽ።

ኣብ መፋርቕ ናይ 2018 ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኣባላት ስድራቤቱ ንምብጻሕ፡ ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሽወደን ቪዛ ሓቲቱ፤ እቲ ኤምባሲ ብዝሃቦ ፍቓድ ድማ 5 ግንቦት ብመንገዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

ኤርምያስ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ክንቀሳቐስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ21 ግንቦት መንነቶም ዛጊት ዘይተነጸረ ሰባት፡ ካብቲ ኣዕሪፍሉ ዝነበረ ሆቴል ተወሲዱ።

ኤርምያስ ናብ ኢትዮጵያ ክገይሽ እዚ ናይ ፈለማ ከም ዘይኮነ ዝገልጽ ሓው ኢሳያስ፡ ኣብ መወዳእታ 2017 ምስ በዓልቲ ቤቱ ናብ ኢትዮጵያ በጺሑ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እዚ ምስ ኣጋጠመ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ንኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሽወደን፡ ከም ዝሓተቱን መሳርሕቱ ሰምሃር ገብረስላሴ ትገልጽ።

"ንኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓተትናሉ፡ ኣብዚ ጉደይ ርእይቶ ክህብ ከም ዘይደሊ ሓቢሩ" ትብል ሰምሃር።

ሙሴ ኤፍሬም ሕጋዊ ጠበቓ ኤርምያስ ተኪኤ ኮይኑ ነቲ ምዕባለታት ክገልጽ ከሎ፡ "ኣብ ፈለማ መንግስቲ ሽወደን ዝግባእ ኣቓልቦ እኳ እንተዘይገበረሉ ድሒሩ ግን፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ብመንገዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን ዘድሊ ሓበሬታ ክኣኻኽብ ኢዩ" ምባሉ ተዛሪቡ።

እቲ ጉዳይ መፍትሒ ከይተረክቦ ግዜ እናወሰደ ስለ ዝኸደ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት መፍትሒ ንምንዳይ ፍትሒ ንኤርምያስ ዝጠልብ ጎስጓስ ከም ዘበገሱ ሰምሃር ሓቢራ።

"መጀመርታ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተጻሕፈ ክፉት ደብዳቤ ኣዳሊና፤ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ክከታተሎ፡ ፍትሒ ከም ዝረክብ ክገብር ዝሓትት እዩ፤ ምስኡ ተተሓሒዙ ኩሉ ሰብ ዝፍርመሉ ምሕጽንታ ማለት petition ኣዳሊና ናብ ህዝቢ ዘርጊሕና። ድሮ ብርክት ዝበለ ፌርማ ተኣኪቡ ኣሎ" ትብል።

"ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል'ውን ኣብቲ ጉዳይ ክነጥፉ መጸዋዕታ ኣቕሪብና፡ እወታዊ ምላሽ ረኺብና ኣሎና" ኢላ ሰምሃር።

ንሕጋዊ መስርሕ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ በዓል ሞያ ሕጊ ሙሴ "በቲ ዓለምለኻውን ናይ ውሽጢ ሃገር ናይ ኢትዮጵያን ሕጊ መሰረት ብምግባር ነቲ ዘሎ ተኽእሎታት ብምልኡ ክንጽንቅቆ ንበጋገስ ኣሎና" ብምባል ሰለስተ ክኢላታት ሕጊ ብሓባር ክሰርሑ ምኳኖም ሓቢሩ።

ሰምሃር ገብረስላሴ ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኤርምያስ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ፍቓድ ክሳብ ዝሃበ ድሕነቱ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከም ዘለዎ ተገንዚቡ ሓላፍነቱ ክዋጻእን ኣብ ህላወን ውሕስነትን ኤርምያስ ድማ ዝከኣሎ ከበርክት ጸዊዓ።

ቢቢሲ ትግርኛ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ተወኪሱ እኳ እንተነበረ፡ ብዛዕባ ኤርምያስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ዝሓለፈ ካልእ ሓበሬታ ከም ዘይብሎም ገሊጾምልና።