ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ሰሜን መሊሱ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ንምቁፅፃር ጻዕሪ ይግበር ኣሎ

ብ1978 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ መዝገብ ውርሻታት ዓለም ክሰፍር ዝኸኣለ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ሰሜን ትማሊ መሊሱ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጥምዎ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣብቲ ፓርክ ተኸሲቱ፡ ምቁፅፃር ተኻኢሉ ነይሩ።

ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ሰሜን ሓላፊ ክፍሊ ሕብረተሰንብን ቱሪዝምን ኣቶ ታደሰ ግዛው፡ እቲ ሓዊ ብዝለዓለ ደረጃ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ መሊሱ ከም ዝተልዓለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ኣብ ምጥፋእ እቲ ባርዕ ይሳተፉ ምህላዎም'ውን ሓቢሩ።

"እቲ ሓዊ ናብ ፀድፊ ስለዝተንከባለለ ምቁፅፃር ኣይተኸኣለን። ነቲ ኣብ ሜዳ ዘሎ ተቖፃፂርናዮ ኣለና። ንፋስን ፀሓይን ምስ መፅአ መሊሱ እንተዘይተላዒሉ'ምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ሃዲኡ'ሎ" ኢሉ።

መንቀሊ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመን ሕዚ መሊሱ ዝተፈጠረን ባርዕ ሓዊ ንምፍላጥ ምፅራይ ይካየድ ምህላዉ ወሲኹ ገሊፁ።

"እቲ ሓዊ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ሰሜን ካብ መዝገብ ውርሻታት ዓለም ንኸይወፅእ ስግኣት ኣይፈጠረን" ክብል ዝሓበረ ኣይተ ታደሰ፡ ናይዚ ምኽንያት ድማ በቲ ሓዊ ዝተጎድአ ሳዕሪ ጥራሕ ምዃኑ ኣረዲኡ።

"ሕዚ ካብ ዝተቓፀለ እቲ ሲሶ ዝኸውን ሳዕሪ ኣእዋም ናብ ዝርከቡሉ ቦታ ዝኣተወ ሓዊ ንኡሽተይ እዩ። ሳዕሪ ድማ ዝናብ ምስ ረኸበ ስለዝምለስ፡ እቲ ፓርክ ካብ መዝገብ ውርሻታት ዓለም ንኽልዓል ፅልዋ ኣለዎ ዝብል እምነት የብለይን" ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ እንስሳ ዘገዳም ዝበፅሐ ሓደጋ ከም ዘየለ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ ፓርክ ጎቦታት ሰሜን ቅድሚ ሕዚ'ውን ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ እንተነበረ'ውን ከምዚ ናይ ሎሚ ግን ስፍሓት ኣይነበሮን።