ሱዳን: ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን ጎንጺ ተወሊዑ

ሰልፈኛታት ምስ ሰራዊት እታ ሃገር

ምንጪ ስእሊ, AFP

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝተሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊ ሱዳን፡ ህዝቢ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ኣዛዚ ስታፍን ብምእካብ፣ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ድምጹ የስምዕ ኣሎ።

እቶም ሰልፈኛታት፡ ጠቕላሊ ኣዛዚ ስታፍ፡ ውሽጣዊ ዕልዋ መንግስቲ ክገብርን መሰጋገሪ መንግስቲ ክተክልን ምሕጽንታ የቕርቡ ከም ዘለውን ተፈሊጡ።

ኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት መንብዒ ጋዝ ተጠቒሞም ክብትንዎም ከም ዝፈተኑ ተገሊጹ።

እንተኾነ ግን፡ እቶም ወተሃደራት ሱዳን ንሰልፈኛታት ካብ ኣባላት ጸጥታ ከም ዝኸልከልዎምን፡ ነቶም ኣባላት ጸጥታ ንድሕሪት ከም ዘዝልቑ ከም ዝገበርዎም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ሓቢሮም።

ገሊኦም ሰልፈኛታት'ውን ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሓይሊ ባሕሪ ሱዳን ከም ዝተዓቑቡ'ውን ተፈሊጡ።

ኣብ ታሕሳስ 2018 ብወሰኽ ባኒን ነዳድን ዝጀመረ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ንምሕደራ 30 ዓመታት ስልጣን ዑመር ኣልበሽር ብምቅዋም እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ንኽእለ እዩ ክጽውዕ ጸኒሑ ዘሎ።

እንተኾነ ግን፡ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ስልጣኑ ከም ዘይገድፍን፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ስልጣን እንተደሊዮም ብምርጫ ጥራሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ ነይሩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ተቓውሞ፡ ወተሃደራት ክሳብ ሕጂ ኣንጻር እቶም ሰልፈኛታት ዝወሰድዎ ስጉምቲ የለን።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዝተሳተፍዎ ሰልፊ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ቕድሚ ሕጂ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፉ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣንጻር መንግስቲ ተቓውምኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ሰባት ጠገለ ዘይብሉ ሓይሊ ይጥቀሙን ብኣልምማ ይኣስርዎምን ጠያይቲ የዝንብሎምን ነይሮም ኢዮም።

ኣብቲ ኣብ ቀዳም መዓልቲ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ግን፡ ሓደ ሰብ ኣብ ከተማ ኡንድርማን ከም ዝተቐትለ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቶም ሰልፈኛታት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ቁጽሮም እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎን ሓያል ውጥረት ሰፊኑ ከም ዘሎን ኣመልኪቶም።

ሚኒስተሪ ዜና ሱዳን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ቕልውላው ብሰለማዊ መገዲ ክፈትሖ ከም ዝደሊ ምብግላጽ፡ ንኣባላት ጸጥታን ኣመስጊኑ ኣሎ።

ስለምንታይ ኢዩ እቲ ህዝቢ ናዕቢ ዝገብር ዘሎ?

ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ጋዜጠኛ መሓመድ ዓሊ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ሰልፈኛታት ንሰራዊት እታ ሃገር ምስኦም ሓቢሮም ኣንጻር መንግስቲ ክለዓሉ ይጽውዑ ከም ዘለው ሓቢሩ።

እቶም ሰልፈኛታት 'ናጽነት፣ ሰላም፣ ፍትሒ፤ ሓደ ህዝቢ-ሓደ ሰራዊት' ዝብሉ ጭርሖታት የቃልሑ ከም ዝነበሩ'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ።

ቀንዲ መበገሲ እዚ ናዕቢ መንግስቲ ሱዳን ዋጋ ሓደ ባኒ ካብ ሓደ ፓውንድ ናብ ሰለስተ ፓውንድ ክብ ከብሎ ምስ ወሰነ ኮይኑ፡ እናሓደረ ግን፡ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጽውዑ ድምጽታት ከስምዑ ጀሚሮም።

ሱዳን ን20 ዓመታት ብኣሜሪካ ንጉጅለታት ግብረ ሽበራ ትድግፍ እያ ብምባል፡ ማዕቐብ ንግዲ ኣንቢራትካ ከም ዝነበረትን፡ ቁጠባ ሱዳን ብሰንኪ እቲ እገዳ ከም ዝተጉድኦን ጸብጻባት የመልክቱ።

ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, AFP

ግበረ መልሲ ፕዚደንት ኣልበሺር

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ዓርቢ 23 ለካቲት ኣብ ሃገራዊ ተሌቪዥን ቀሪቡ ነቲ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ህዝባዊ ናዕቢ ንምህዳእ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከም ዝኣወጀ ይፍለጥ።

ካብቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝተኣወጀሉ ጀሚሩ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ካርቱምን ኦምድርማንን ከምኡ'ውን ኣብ ካልኦት ከተማታት ሱዳን ተቓውሞታት ተራኢዮም ኢዮም።

ነቲ ዝተኣወጀ ሃገራዊ ድንጋገ፡ ብተቓወምቲ ሰልፍታት፤ ወደብቲ ሰልፍታትን ከምኡ'ውን ካልኦትን ከም ዝነጸግዎን፡ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ዝጠልብ ሓዲሽ ሰለማዊ ሰልፊ'ውን ጸዊዖም ነይሮም።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣንጻር መንግስቲ ተቓውምኦም ዘስምዑ ሰለማውያን ሰባት ጠያይቲ የዝንቡ ከም ዝነበሩን፡ 32 ሰባት ከም ዘተቐትሉን ሰብ መዚ እታ ሃገር ይሕብሩ። እንተኾነ ግን ከባቢ 51 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይዛረቡ።