እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳንን ቐጠርን ብኤርትራ ንዝቐረበለን ክሲ ነጺገንኦ
ሱዳንን ቐጠርን ነቲ ብኤርትራ ዝቐረበለን ኣንጻራ ይሰርሓ ከም ዘለዋ ዝጠቅስ ክሲ ነጺገነኦ።
ኤርትራ፡ ቱርኪ፡ ብምትሕብባር ቐጠርን ሱዳንን፡ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ "ኣዕናዊ" ተግባራት ተሳሲ ኣላ ክትብል ብረቡዕ ኣብ ዝወጽአ መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ከሲሳ ነይራ።
ብወገን ቐጠር፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሱልጣን ቢን ሳዓድ ኣልሙራይኺ፡ ትማሊ ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብታ ሃገር ዓሊ ኢብራሂም ኣሕመድ ብምጽዋዕ፡ ነቲ ክሲ ብምንጻግ ሃገሩ ነቲ መግለጺ ዘለዋ "ተቓውሞ" ዝገልጽ ሰነድ ኣረኪብዎ።
"ፓሊሲ ቐጠር ኣብ ጽኑዕ መትከላት ሓድሕዳዊ ምክብባር ሃገራትን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልቃ ዘይምእታውን" ምዃኑ ንኣምባሳደር ኤርትራ ከም ዝተገልጸሉ፡ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ዝወጸ መግለጺ የነጽር።
እቲ ሚኒስትሪ ኤርትራ ዘውጽኦ፡ ሃንደበታዊ ዝመስል መግለጺ፡ ቱርኪ ንኣቦመንበር ሓደ ብቤት ምኽሪ ዑለማእ ኣስላም ኤርትራ ዝፍለጥ ጉጅለ ቤት ጽሕፈት ምኽፋታ ድሕሪ ምንቃፍ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ኣንጻር እቲ ኣብ ዝሓፈ ዓመት ምስ ኢትዮጵያ ዝተበጽሐ ናይ ሰላም ስምምዕን ዞባዊ ምርግጋእን ዝዓለመ መግለጺታት ከም ዝሃበ ይሕብር።
ቐጠር፡ ንንጥፈታት ናይቲ ጉጅለ ከም እትምውል'ውን እቲ ዝወጸ መግለጺ ይጠቅስ።
ሱዳን ብወገና፡ ንመግለጺ ኤርትራ ብትሪ ከም እትነጽጎን፡ እቲ ዝተባህለ ጉጅለ ኣብ ሱዳን ዝኾነ ኣኼባ ኣየካደን ኢላ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን ክዕረቓ ሱዳን ክትሰርሕ ከም ዝጸንሐትን፡ ምስ ተዓረቓ ድማ ናይ የውሃና መልእኽቲ ከም ዝሰደደት ብምጥቃስ፡ በቲ መግለጺ ከም ዝተገረመ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ገሉጹ ክብል ሱዳን ትሩቢን ሓቢሩ።
"እቲ ውዲት ብምትሕብባር እቲ ንመሬቱ ንከም'ዚ ዓይነት ሸርሕታት ኣሕሊፉ ዝሃበ ስርዓት ሱዳን ይፍጸም ኣሎ" ክብል እቲ ብኤርትራ ዝወጸ መግለጺ ንሱዳን ይጥቅን።