ብከላ ኣየር፡ ንህይወት ሰብ ብዓመትን ሸሞንተ ወርሕን የሕጽሮ

ብመሰረት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ብክላ ኣየር ኣብ 2017 ጠንቂ ሞት ናይ 4.9 ሚልዮን ሰባት ኮይኑ ተባሂሉ።

ገለ ካብቲ መጽናዕቲ ዝተረኽቡ ተወሰኽቲ ውጽኢታት ድማ---

ብከላ ኣየር ካብ ምኽሳዕንላዕሊ ኣስጋኢ'ዩ

ካብ ዓለማዊ ናይ ሕማማት ክብደት ዘጽንዕ ትካል ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ብከላ ኣየር ንመግቢ ዘይምውሳድ፡ ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ሽጋራ ምትካኽን ልዑል መጠን ሽኮር ኣብ ደምን ስዒቡ፡ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ኢዩ ዝስራዕ። ምኽሳዕ ድማ ሻድሻይ ተሰሪዑ ኣሎ።

እዚ ደረጃ ብከላ ኣየር ኣብዚ ደረጃ ዝተቐመጠ ኣብ ሕማም ልቢ፡ ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስን፡ ሕዱር ሕማም ስርዓት ምስትንፋስን መንሽሮን ዘለዎ ጽልዋ ንምፈላጥ ድሕሪ ዝተኻየደ መጽናዕቲ እዩ።

ኣብ ደቡባዊ ኤስያ ብከላ ኣየር ደው ምባል ኣብ ዕድመ ወዲ ሰብ ዘለዎ ጽዋ ማዕረ ምፍዋስ ሕማም መንሽሮ ኢዩ።

ብደረጃ ዓለም ብከላ ኣየር ካብ ዕድሜና ብገምጋም 20 ኣዋርሕ ይቖርጽ። ኣብ ከም በዓል ህንዲ፡ ነፓል፡ ፓኪሰታን ዝኣመሰላ ሃገራት ደቡብ ኤስያ ግና ሎሚ ዝተወልደ ህጻን ዕድሚኡ ብ30 ኣዋርሕ ከም ዝሓጽር ኮይኑ'ሎ።

እዚ ድማ ማዕረ'ቲ ካንሰር ካብ ዕድመ ወዲ ሰብ ዝቖርጾ እዩ።

እቲ ዘሕዝን ድማ፡ እዘን ሃገራት ንሳዕቤን ናይዚ ብከላ ክምክታሉ ዝኽእላ ሕክምናዊ ዓቕሚ ዘይብለን ሙዃነን'ዩ።

ብከላ ኣየር ኣብ ሕማም ሽኮር ተርኡ ይጻወት ኢዩ

ንጻዕቂ ዘለዎ ብኩል ኣየር ምግላጽ፡ ድሕሪ ልዑል ጸቅጢ ደምን ከሲዕን ሳልሳይ ዝዓበየ ምኽንያት ንሕማም ሽኮር ኢዩ።

ብክላ ኣየር ኣብ ሳናቡእ ነድሪ ፈጢሩ ናብ ስርዓት ዑደት ደምን ናብ ኢንሱሉን ዘፍርዩ ዋሃዮታትን ብምዝርጋሕ ንሕማም ሽኾር ጠንቂ ይኸውን።

እዚ ጸገም ከተማትት ጥራይ ኣይኮነን

ኣብ 2017 ናይ ገዛ ብከላ ኣየር ጠንቂ ሞት 1.6 ሚልዮን ሰባት ኮይኑ ኢዩ።

እዚ መግቢ ንምብሳል ወይ ሙቐት ንምፍጣር ተባሂሉ ብዝግበር ምቕጻል ዝፍጠር ብከላ ኢዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ 70% እዚ ኣገባብ ይጥቀሙ።

መርዛም ኣየር ካብ ህጻናት ንላዕሊ ዝሸምገሉ'ዩ ዝቐት

መርዛም ኣየር ኣብ ህጻናት ብዛዕባ ዘውርዶ ጉድኣት ኣብ ሚድያ ብዙሕ'ዩ ዝዝረበሉ፡ ኮይኑ ግና 9 ካብቶም 10 ብብከላ ኣየር ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 50 ሽማግለታት እዮም።

እዚ ሓድሽ ርኽበት እዩ። ኣብ 1900 እቶም ዝያዳ ተጠቃዕቲ ተሕቲ 5 ዓመት ህጻናት እዮም ነይሮም። ኣብቲ እዋን ዝበዝሕ ምኽንያት ብከላ ኣብ ገዛ ዝእጎድ ሓዊ'ዩ ነይሩ። ሎሚ ግና ኣብ ህንድን ቻይናን እዚ ኣዝዩ ስለ ዘቐነሰ፡ እቲ ዋና ምኽንያት ካልእ እዩ።

ሎሚ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዘሎ ብኩል ኣየር ጠንቂ ሕማም ሳንቡእ፡ ልብን መንሽሮን ኮይኑ'ሎ።

ገለ ንእሸቶ ጽቡቕ ዜና ግን ኣሎ

ኣብ 1990 ኣብ ዓለም ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ደረጃ ዝበሃል ብኩል ከባቢ ዝነብሩ ሰባት 96% እዮም ነይሮም፡ ኣብ 2017 ግና ናብ 92% ወሪዶም።

እዚ ድማ ኣሜሪካን ቻይናን ብዘገበርኦ ምምሕያሽ ኢዩ።

ኮይኑ ግና ኣብ 2017 ኣብ ቻይና 852,000 ሰባት ብሰንኪ መራዛም ኣየር ሞይቶም