ጾታዊ ኣፈላላይ መሃያ ብኸመይ ነጽብቦ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገራት ምዕራብ 2 ሚያዝያ መዓልቲ ማዕረ ክፍሊት ኣብ ዝጽንብላሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ ሃገራተን ዘሎ ዘይምዕሩይ ናይ ደሞዝ ክፍሊት ንማዕረ ዓይነት ስራሕ ብዝምልከት ተገዳስነት ከርእያ ጸኒሐን።
ይኹን'ምበር ሕጂ'ውን ኣብ ኣሜሪካ ደቀንስትዮ ማዕረ መሳርሕተን ደቂተባዕትዮ ኣይክፈላን። ካብተን ኣብ ኣሜሪካ ዘለዋ 52 ግዝኣታት ኣርባዕተ ጥራይ እየን ማዕረ ደሞዝ ንማዕረ ዓይነት ስራሕ ክኽፈል ሓጊገን ዘለዋ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከባ ኣሽሓት ኩባንያታት ድማ፡ ጾታዊ ማዕርነት ዘኽበረ ናይ ዝህብኦ ደሞዝ ስጋብ ሓሙስ [5 ሚያዝያ] ፍርቂ ለይቲ ዘሎ ግዜ ብዕሊ ከፍልጣ መጠንቀቕታ ተዋሂብወን ኣሎ።
ኣብ ስሉስ ዓለም ብሓፈሻ ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ፡ ንዘሎ ዘይምዕሩይ ናይ ደሞዝ ፍልልይ ንምጽባብን መሰል ደቀንስትዮ የሕዋትና ንምኽባርን ናይ ኩልና ጻዕርን ቃልስን ይሓትት።
መዓልቲ ማዕረ ክፍሊት ኣብ ኣሜሪካ ኣብ 2ተ ሚያዝያ ኢዩ ዝጽንበል። እዛ መዓልቲ ተነጽሮ ጉዳይ እንተሎ፡ ኣሜሪካውያን ደቀንስትዮ ከምቲ ደቂተባዕትዮ የሕዋተን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘእተውዎ ኣታዊ ንምርካብ ክሳብ ክንደይ ክሰርሓ ከምዘለወን ኢያ ተመልክት።
ዋላ`ኳ መንግስቲ ኣሜሪካ ካብ 1963 ጀሚሩ ዘይምዕሩይ ክፍሊት ንማዕረ ስራሕ ኣጊዱ እንተነበረ፡ ብገምጋም ሕጂ'ውን ደቀንስትዮ 80% ሚእታዊት ናይቲ ደቂተባዕትዮ ዝክፈሎም ክፍሊት እየን ዝኽፈላ ዘለዋ።
ብተዛማዲ ኤስያውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝሓሸ ክፍሊት ክረኽባ ከለዋ፡ ጸለምትን ቋንቋ ስጳኛ ዝዛረባ [ደቂ ላቲን ኣሜሪካ] ደቂ ኣንስትዮን ዝውሃበን ክፍሊት ኣዝዩ ትሑት ከምዝኾነ መንግስታዊ ሓበሬታ የመልክት።
ተጣበቕቲ ማዕረ ክፍሊት ነቲ ኣብ ክፍሊት ዝርአ ዘይምዕሩይነት ብዝምልከት ኣገባብ ዝተኸተለ ምምሕያሽ ሕግታት ኪግበር፡ ብፍላይ ኣብቲ ንወልዲ ዝውሃብ ዓመታዊ ዕረፍትን ወልዲ ቆልዑ ንምክንኻን ዘውጽእዎ ወጻኢታትን ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ምምሕያሻት ኪግበር ጸዊዖም።
ክልእ ፍታሕ ዘድልዮም ጉዳያት`ውን ኣልዒሎም።

ናይ 'ቀደም ደሞዝካ' ክንደይ ነይሩ ዝብል ሕቶ ደው ይበል
ኣብ ገለ ግዝእታት ኣሜሪካ፡ ኣስራሕቲ ነቶም ኣብ ትካላቶም ክሰርሑ ዘመልክቱ ሰራሕተኛታት ክንደይ ትኽፈሉ ኔርኩም ዝብል ሕቶ ከይሓቱ ከልኪለን።
ካሊፎርንያ፡ ማሳቹሴትስ፡ ኒው ዮርክን ፖርቶ ሪኮን ገለ ካብተን ኣስራሕቲ ነቶም ሰራሕተኛታቶም ናይ ቀደም ደሞዞም ከይሓቱ ዝኸልከላ ግዝኣታት ክኾና ከለዋ፡ ካልኦት 20 ድማ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ይሓስባ ኣለዋ።
እቲ ሕጊ፡ ነቲ ዝጸንሐ ታሪኻዊ ዘይማዕርነታዊ ናይ ደሞዝ ክፍሊትን ዘተን ብምውጋድ ነቲ ዘሎ ናይ ደሞዝ ፍልልይ ዓንኬል ንምስባር ዝዓለመ ኢዩ።
እቲ ሕጊ፡ ኣብ 2017 ብወግዒ ንህዝቢ ክግለጽ ከሎ፡ ዕላምኡ ነቲ ዝጸንሐ ዘይምዕሩይ ናይ ደሞዝ ኣከፋፍላ ንምውጋድን ንደቀንስትዮን ዘይጸዓዱ ኣሜሪካውያን ዝውሃብ ደሞዝ ፍታሕ ንኽህብ ዝዓለመ ኢዩ ኢላ ኣብ ኒው ዮርክ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣባቒት፡ ካርመሊን ማላሊስ።
ደቂተባዕትዮ ክንደይ ከምዝኽፈሉ ንመሳርሕቶም ደቀንስትይ ክሕብሩ ኣለዎም
ንብዙሓት ብዛዕባ ገንዘብ ምዝራብ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል።
ሓደ ኣብዚ ቐረባ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ኣሜሪካውያን ንዝኾነ ሰብ ኣንተላይ ንመጻምድቶም ደሞዞም ክንደይ ከምዝኾነ ኣይነግሩን ኢዮም።
እዚ ደሞዝካ ብምስጢር ናይ ምሓዝ ጉዳይ ነቲ ዘይምዕሩይ ናይ ደሞዝ ክፍሊት ክቕጽል ይሕግዝ ይብሉ ገለ ሰባት።
ኣንጄላ ኮርኔል ዝተባህለት ኣብ ኮርኔል ናይ ሕጊ ቤት ትምህርቲ ኣማአሓዳሪት ምስ ኒዮር ታይምስ ኣብ ዝገበረቲ ቃለ መሕተት፡ እዚ ደሞዝካ ብምስጢር ናይ ምሓዝ ኩነት፡ ``ነቲ ብፍላይ ኣብ ናይ ብሕቲ ትካላት ዘሎ ዘይሕጋዊ ናይ ደሞዝ ፍልልይ ንምፍላጥ ኣሸጋሪ ይገብሮ`` ኢላ።
ኮርኔል ንሓደ መሳርሕታ ክንደይ ከምዝረክብ ምስሓተተቶ፡ ኣብ ዓመት 50,000 ዶላር ዝያድኣ ከምዝረክብ ፈሊጣ።
ኣሰር ኣይስላንድ ምኽታል
ኣይስላንድ ጾታዊ ማዕርነት ብምኽባር ኣብ ዓለም ዝተፈልጠት ክትከውን ኮላ፡ ካብ 2018 ንድሓር፡ ኩለን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ኩባንያታት ንደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ማዕረ ደሞዝ ክኸፍላ ብምሕጋጋ፡ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ሃገር ኮይና።
ኣብ ኣይስላንድ ዝርከባ ኩባንያታት ንሰራሕተኛታተን ማዕረ ደሞዝ ከምዝኸፍላ ዘርኢ ምስክር እንተዘይብለን ብሕጊ ይቕጽዓ።
ደቀንስትዮ ብዛዕባ ደሞዘን ክዝትያ ምትብባዕ
ምስ ደቂተባዕትዮ ብምንጽጻር፡ ደቀንስትዮ ብዛዕባ ምውሳኽ ደሞዝ ብዙሕ ኣይደፍኣሉን እየን።
እስታት 57 ሚኢታዊት ናይ ደቂተባዕትዮ ብዛዕባ ደሞዞም ምስ ኣስራሕቶም ክዝትዩ ክፍትኑ ከለው፡ በንጻሩ ደቀንስትዮ 7 ሚኢታዊት ጥራይ ከምዝፍትና ሓደ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
ስለዚ፡ እንተድኣ፡ ምስቶም ኣስራሕቲ ብዛዕባ ደሞዝ ዘተ እንተዘይተኻዪዱ፡ ኩባንያታት ሕጂ`ውን ንደቂተባዕትዮ ዝያዳ ደሞዝ ክህብዎም ኢዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







