እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይ መንእሰይ ቁመና ዘለዎ ናይ 108 ዓመት በዓል ጸጋ ዕድመ ኮሎኔል ሪጃል ዑመር?
ክትርእዮም እንከሎኻ ወዲ 40 ዓመት እዮም ዝመስሉ፡ ንሶም ግና ዕድሚኦም 108 ከም ዝኾነ ይዛረቡ።
መልክዖም ምስ ዕድሚኦም ዘይመሳሰል ብዙሓት ኢዮም። ቢቢሲ ምስ እዞም ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ጻንሒት ገይሩ ኣሎ።
ቢቢሲ፡ ሰእልኹም ርእየሲ 'ንስኹም' ምባል እምበር ከቢዱኒ፤
ኮሎኔል ሪጃል፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝፈተኽዋ ሓንቲ መሓዛ ኣላትኒ። ብዘይካ'ዛ ጓል ...
ቢቢሲ፡ ኣብ ቀረባ ዝፈተኽዋ ቆልዓ ዲኹም ዝበልኩም?
ኮሎኔል ሪጃል፡ እወ፤ ኣላ!
ቢቢሲ፡ ዕድሚኣ ክንደይ ይኸውን?
ኮሎኔል ሪጃል፡ ክንደይ ኢዩ ዓምትኪ [ሓቲቶምዋ] ኣብዚ እንሀለት . . . 35 ኢዩ።
ቢቢሲ፡ እንታያ'ዩ መሲጥኩም?
ኮሎኔል ሪጃል፡ ኣቃውማኣ ፈትየዮ! ኣብዚ ምሳይ ኣላ ኣዛርባ። [ኮሎኔል ነቲ ተለፎን ኣፍቃሪተይ ንዝብለዋ ጸሃይ ኣቐበሉ። ሰላምታ ድሕሪ ምልዉዋጥ ዕላልና ቀጸልና።]
ቢቢሲ፡ 'እሞ ፈትየያ፡ ኣብ ፍቕሪ ኢና ዘለና' ይብሉ ኣለው ኮሎኔል?
ወ/ሮ ጸሃይ፡ እወ! ኣነውን ፍትው ኣቢለዮ ኣለኹ።
ቢቢሲ፡ እንታዮም ደኣ ስሒቡኪ፡ ብዕድመ ድፍእ ዘበለ ሰብሲ ብዙሕ . . . ?
ወ/ሮ ጸሃይ፡ እነ ድማ ብዕድመ ድፍእ ዘበለ ሰብ'የ ዝፈቱ።
ቢቢሲ፡ ሕጂ እዚ ናትኪ ዕድመ ምስ ናቶም ክነጻጸር ከሎ ሰለስተ ዕጽፊ ማለት'ኳ ኢዩ። ሰለስተ ዕጽፍን ሰለስተ ዓመትን።
ወ/ሮ ጸሃይ፡ ኣነ ጥዒሙኒ ኣሎ፤ ንረዳዳእ ኢና። ልዕሊ'ዚ እሞ እንታይ ኣሎ ኢልካዮ ኢኻ? ፈትየዮ ኣለኹ። ፍቕሪ ዕድመ ኣይድርቶን ኢዩ። ደሓር ከኣ ፍቕሪ ከምዚ ኢዩ ኢልካ ክትገልጾ ኣይትኽእልን ኢኻ።
ቢቢሲ፡ ንኮሎኔል ክትርእይዮም ከሎኺ፡ ዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ዶ ኮይኑ ይረኣየኪ ወይሲ ጎበዘ?
ወ/ሮ ጸሐይ፡ ንኣይሲ ጎበዝ ኢዩ! ክንደይ እሞ ክብለካ ኢየ? በቃ ከምዚ ኣብ ኣርብዓታት ዘሎ ዝመስለኒ።
[ኮሎኔል ደጊሞም ነታ ተለፎን ተረከብዋ]
ቢቢሲ፡ ኮሎኔል ፍቕሪ ዕድመ የንዉሕ ድዩ?
ኮሎኔል ሪጃል፡ (ሰሓቕ) ኣነ ካብ ቀደም ባእሲ ኣይፈልጥን ኢየ፤ ሓደ እዋን ናይ ሶማል ወትሃደር ምስ ማረኽኩ፡ ክዳነይ ኣውጽየ'የ ከዲነዮ። ፍቕሪ ጥራሕ ኢየ ዝፈልጥ።
ቢቢሲ፡ ንስኹም ቆልዓ ከለኹም ዋጋ ሓደ በጊዕ ክንደይ ኢዩ ነይሩ?
ኮሎኔል ሪጃል፡ በጊዕ ዋጋ የብሉን። ሓደ እዋን ይዝከረኒ ናብ ኮርያ ክኸይድ ኢለ፡ ካብተን ዝነበሩና ላሕምታታ፡ ነታ ክልተ ምራኹት ንዝነበርዋ ላሕሚ፡ ብሸውዓተ ብር ሸይጠ። እዚ ኣብ 1943 በቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኢዩ።
ቢቢሲ፡ ወፋሮ ካብ ኮርያ ድሕሪ ምምላሶም፡ ኣብ ልዕሊ ጃንሆይ ናይ ደሞዝ ሕቶ ኣልዒሎም ምንባሮም ይውረ'ዩ. . .
ኮሎኔል ሪጃል፡ ጽቡቕ ኣለኻ። ደሞዝ ካብ 20 ብር ናብ 60 ብር ክዓብይ ሕቶ ቀሪቡ። ንሃይለስላሴ እሙን ስለዝነበርኩን ኣብ ቤተመንግስቲ ከኣ ስለዘገልግል ኣብቲ ዓመጽ ኣይተሳተፍኩን።
ቢቢሲ፡ ካብ ሰበስልጣን ደርጊ ንመን ትፈልጡ?
ኮሎኔል ሪጃል፡ ንጀኔራል ተፈሪ ባንቲ። ነቲ ሓደ ወደይ ተፈሪ ዘውጻኹሉ ብምኽንያት እዚ ጀነራል እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ'ዩ ዝነብር. . . ርእሱ በሪሑ ኣሪጉ!
ቢቢሲ፡ ንዶክተር ኣብዪ ትፈልጥዎ ዶ?
ኮሎኔል ሪጃል፡ እወ ይፈልጦም! ወዲ ኣባ ፊጣ ኢዮም።
ቢቢሲ፡ መንዮም ከ ኣባ ፊጣ?
ኮሎኔል ሪጃል፡ ኣባ ፊጣ ዓሊ እዮም ዝበሃሉ። ብዙሕ ሌላ እኳ ተዘይብልና ይፈልጦም ኢየ።
ቢቢሲ፡ ምስ ዶ/ር ኣብዪ ተራኺብኩም ዶ?
ኮሎኔል ሪጃል፡ ክረኽቦም ኣይደልን ኢየ።
ቢቢሲ፡ ንምንታይ ዘይትደልዩ? ብዙሕ ሰብ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክረክብ ይደሊ።
ኮሎኔል ሪጃል፡ (ሰሓቕ) እንታይ ይመስለካ . . . ኣነ. . . [ጃንሆይ] ካብ ሃገር ሃዲሞም ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ነታ ሃገር ነጻ ንምውጻእ ብጥራሕ እግረይ ናብ ጫካ ዝኣተኹ እየ። ደላዪ ኢትዮጵያውነትን ነጻነትን እምበር ደላዪ ንጉስ ኣይኮንኩን።
ቢቢሲ፡ ኣበየናይ እዋን ኢኹም ተወሊድኩም ኮሎኔል?
ኮሎኔል ሪጃል፡ ኣብ እዋን ዳግማዊ ምኒሊክ ኢዩ። ብድሕሪኡ ኣብ እዋን ልጅ ኢያሱ ጓሳ ኢየ ነይረ፤ እንታይ ከም ዝነበረ ግን ኣይፈልጥን ኢየ።
ቢቢሲ፡ ሃጸይ ምኒሊክ ይዝከረኩም ዶ? ወላ ብርሑቕ ከ ርኢኩምዎም ዶ ትፈልጡ?
ኮሎኔል ሪጃል፡ ኣይረኣኹዎምን፤ ንዘውዲቱ'ውን ኣይረኣክወንን፤ ንኢያሱ'ውን ኣይረኣክዎን። ብዓይነይ ዝረኣክዎምን፡ እግሮም ዝሓጸብክዎም ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ኢዮም።
ቢቢሲ፡ በኹሪ ወድኹም ክንደይ'ዩ ዓመቱ?
ኮሎኔል ሪጃል፡ 75 ኢዩ ዓመቱ ፤ ኣብ ቀረባ'ዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየ።
ቢቢሲ፡ ሕጂ'ውን ክትወለዱ ዶ ትደልዩ?
ኮሎኔል ሪጃል፡ ወላ ሎሚ'ውን ክወልድ ይደሊ'የ። ወሊደ ከዕብይ ድማ ይኽእል'የ።
ቢቢሲ፡ ክንደይ ቆልዑ ኣለዉኹም?
ኮሎኔል ሪጃል፡ ብዝሒ ደቀይ ኣይነግርን'የ። ውላድ ኣይቁጸርን'ዩ። ሕጂ ምሳኻ እናዕለልኩ'ውን እዚ ገዛ [ብብዝሒ ቆልዑ] ሆስፒታል መሲሉ ኣሎ። ንኩሎም ደቀይ ከውርሶ ዝኽእል ገዛ ኣሎኒ። ኣስማት ኩሎም ደቀይ ኣይፈልጥን'የ። እዚኸ መን'ዩ እናበልኩ'የ ዝሓትት።
ቢቢሲ፡ ካብ ደቅኹም ብፍሉይ እትፈትውዎ ንመን ኢዩ?
ኮሎኔል ሪጃል፡ ደቀይ ክሳብ 8 ዓመት ዝመልኦም ኢየ ዝፈትዎም፤ ካብኡ ንደሓር ግን ኣይፈትዎምን'የ።
ቢቢሲ፡ ከምዚ ናትኩም 108 ዓመት ካብኡ ንላዕሊ'ውን ክነብር ይደሊ'የ'ሞ እንታይ ትመኽሩኒ?
ኮሎኔል ሪጃል፡ ዝኾነ ሰብ ከም ድላዩ እንተኾነ፡ ከም ጎሓፍ ምቑጻር፡ ንተጻራፊ እዝኒ ዘይምሃብ፡ ሓዊ ዝተንከፎ ስጋ ዘይምብላዕ፡ ስፖርት ከይገበርካ ቁርሲ ዘይምብላዕ።
ቢቢሲ፡ ቀደም ሙዚቃ ናይ መን ትፈትውን ብምንታይ ከ ትዘናግዑ ነይርኩም?
ኮሎኔል ሪጃል፡ (ከዚሙ ጀመሩ
መላ መላ በሉ እስኪ መላ፣
ልቤ ወዳንች እኮ አደላ፣
የማር እሸት፣ የማር ዛላ፣
የኔ ፍቅር የኔ ገላ ... ዝብል ከምኡ'ውን ናይ ይርጋ ዱባለ 'ዘብ ይቁም ሁሉም ለሀገሬ' ዝብሉ'ዮም።
[ኮሎኔሉ ከዚሙ ከለው፡ ድምጾም ሓይሊ ዘለዎ ነበረ። ብሓቂ ነዚ ዝሰምዐ፡ ኮሎኔል 108 ዓመቶም ምዃኑ ንምእማን እንተተጸገመ ዘገርም ኣይኮነን]
ኮሎኔል፡ ምስ ወይዘሮ መስኩ ኣባተ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ 1990 ሓዳር ምግባሮም ሓቢሮም።
በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ መስኩ ብዛዕባ ብዓል ቤተን ኮሎኔል ሪጃል ከምዚ ዝስዕብ ኣዕሊለናና።
"ኣነ ዕድሚኡ ኣይፈልጦን'የ። ናይ መወዳእታ ሰበይቶም ኢየ። ንዓይ ወሲኽካ 12 ኣንስቲ ኣእትዮም። እታ ቀዳመይቲ ሰበይቶም ትብለጽ ትበሃል ነይራ። ብህይወት የላን። ረኺበያ ነይረ፤ ክትመውት ከላ ከባቢ 70 ዓመት ገይራ ነይራ።
ፋጡማ፣ ሲቲና፣ ፋጤ ዝበሃላ ኣንስቶም ይፈልጠን'የ።
ዕድሚኦም ካብ 100 ንላዕሊ ኢዩ። ዓበይቲ ደቂ ኣለዎም። ካባይ ዝወለድዎ ግና እቲ ዓቢይ 20 ዓመት ገይሩ ኣሎ። እታ ናይ መወዳእታ ጓልና ድማ ኣስማ ትበሃል። ክልተ እዩ ዓመታ።"
ኮሎኔል ሪጃልን ወ/ሮ መስኩን ናይ መወዳእታ ጓሎም ዝወለዱ ቅድሚ ክልተ ዓመት ምዃኑ ይዛረቡ። ኮሎኔል ከም ዝብልዎ ሕጂ 108 ዓመቶም እንተኾይኑ፡ እታ ናይ መወዳእታ ጓሎም ኣብ መበል 106 ዓመቶም ኢዮም ወሊደምዋ ማለት ኢዩ።
ወ/ሮ መስኩ፡ ብዓል ቤተን ኣብ መበል 106 ዓመቶም ብዛዕባ ምውላዶም ምስ ሓተትናየን ከምዚ መሊሰን።
"ሕጂ'ውን ክወልዱ ይኽእሉ ኢዮም። ንሰለስተ ደቀይ ብመጥባሕቲ ኢየ ወሊደዮም። ሕጂ'ውን ምውላድ ይደሊ ነይረ። እንተኾነ ግና እቶም ሓካይም ክወልድ ከም ዘይብለይ ሓቢሮምኒ። ጽቡቕ ኣይኮነን ኢሎምኒ።
ወ/ሮ መስኩ ብተወሳኺ "ካብ ካልኦት ዝወለድዎም ደቆም ዓበይቲ ኢዮም። ሓደ ወዶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢዩ ዝነብር። ዕድሚኡ ልዕሊ 50 ኢዩ" ይብላ።
ካልእ ንወ/ሮ መስኩ ዝሓተትናየን ሕቶ፡ ብዛዕባ ኣመጋግባ ኮሎኔል ሪጃል ኢዩ። ንሰን ከም ዝበለኦ፡ ብዙሕ እንጀራ ኣይፈትውን ኢዮም። ድራር ኣይበልዑን፤ ጥረምረ እዮም ዝፈትው። ጥረ ስጋ ህይወቶም ኢዩ።
ኣብ መወዳእታ ዘቕረብናለን ሕቶ 'ባህሪኦም ከመይ ኢዩ?' ዝብል ኢዩ።
"ባህሪኦም. . እምም. ንሶም ሰብ የሕርቑ እምበር፡ ኣይሓርቁን ኢዮም።"
ዕድመ ብስነፍልጠታዊ መገዲ ክረጋገጽ ዶ ይኽእል?
ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ ከም ኮሎኔል ሪጃል ብዕድመ ከም ዝደፍኡ ዝዛረቡ ሰባት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣቓልቦ ይስሕቡ ኢዮም። ንኣብነት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ኣርሲ ዞን ናይ 165 ዓመት ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ እየ ዝበሉ ውልቀ ሰብ ምጥቃስ ይከኣል።
እንተኾነ፡ ዕድሚኦም ከምቲ ዝበልዎ ምዃኑ ብካልእ ኣካል ኣይተረጋገጸን። ኮሎኔል ሪጃል ግና 'መንግስቲ ኮሪያ ገንዘብ ክህበኒ ምስ ደለየ፡ ዕድመይ ምእማን ስለዘይከኣሉ፡ ካብ ኣስናነይ ቅምሶ ብምውሳድ መንነተይ ኣረጋጊጾም ኢዮም። ዕድመይ'ውን 101 ምዃኑ ሓቢሮም' ይብሉ።
ናይ ኮሎኔል ሪጃል ዕድመን ቁመናን ዘይምስናዩ ኣመልኪትና ዘዘራረብናዮ ዶክተር ኑረዲን ሉኬ ዕድመ ብትኽክል ክፍለጠሉ ዝኽእል መንገዲ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹልና።
ኣብ ኢትዮጵያ ከምዚ ዓይነት ናይ ዕድመ ጉዳይ ምህላው ከም ዘይፈለጠ ዝሓበረ ዶክተር ሩረዲን፤ ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ከምኡ'ውን ንትሕቲ ዕድመ መርዓ ዝተገደዳ ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋጽ መርመራ ከም ዝግበር ሓቢሩ።
ብፍላይ ነቶም ዕድሚኦን ትሕቲ 22 ዓመት ንዝኾና ኣብ ኢድ ብዝግበር ናይ ራጂ መርመራ ይፍለጥ። ካብኡ ንላዕሊ ንዝኾኑ'ውን ብናይ ዲኤንኤ መርመራ ከም ዝረጋገጽ ተዛሪቡ።
ብከምዚ ዓይነት ጀነቲካዊ መርመራ ዝመጽእ ስሕተት ካብ ሓሙሽተ ዓመት ከም ዘይዛየድን እቲ ንትሕቲ 22 ዓመት ዕድመ ንዘለዎም ዝግበር ድማ ካብ ክልተ ዓመት ከም ዘይበዝሕ ኣረዲኡ።
ነዚ ኮሎኔል ዝብልዎ ዕድመን ኩነታትን ኣመልኪትና ዘዘራረብናዮ ካልእ በዓል ሞያ፡ ዶክተር ዳንኤል ኢዩ። ዶክተር ዳንኤል ኣብ ስፐሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ናይ ፊዲዮሎጂ ክኢላ ኮይኑ፡ መምህር'ውን እዩ።
ዶክተር ዳንኤል ከም ዝበሎ፡ ብኢሜጂን (ራጂ፡ ኤም ኣይ ኣር ከምኡውን ሲቲስካን) ብምጥቃም ዕድመ ኮሎኔል ሪጀል ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ድማ ዓጽሞም ዕብየቱ ካብ ዘቋርጽ ነዊሕ ስለ ዝገበረ እዩ። በዞም ናይ ኢሜጂን መገድታት ብምጥቃም 95% ልክዕ ዝኾነ ዕድም ምፍላጥ ዝከኣል፡ ዓጽሞም ጌና ኣብ ዕብየት ንዝርከቡ መንእሰያት ጥራሕ ኢዩ። እዚኦም ድማ እቶም ዕድሚኦም ኣብ ዓሰርተታትን ዒስራትን ከምኡውን ካብኡ ንታሕቲ ንዝርከቡ ኢዩ።
መብዛሕትኦም ኣዕጽምትና ኣቐዲሞም ዕብየት ከቋርጹ ከለው፡ እቶም ክሳብ 25 ከምኡውነ 30 ዓመት ዕብየት ዝረኣየሎም ኣብ መንጎ ዓንዲ ሕቖናን መቀመጫናን ዝርከብ ከምኡውን ካብ መንኩብ ናብ ማእከል ዝወርድ ዓጽሚ ምዃኑ ዶክተር ዳንኤል ይሕብር።
ዕድመ ኮሎኔል ሪጃል ክፍለጠሉ ዝኽእል መገዲ ኣብ ውሸጢ ሃገር ዝርከብ እንተኾይኑ ዶክተር ዳንኤል ምስ ተወከስናዮ፡ ምናልባት ሆርሞንን ቦንዴሴቶሜተር ብዝበሃል ኣገባብ መጠን ካልሽየም ብምርኣይ ገለ ሓበሬታ ክርከብ ከም ዝኽእል እዚ ግና ኣብ ኢትዮጵያ ክግበር ይኽእል እንተኾይኑ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉ ሓቢሩና።
ኮሎኔል ሪጃል ንዕድሚኦም ብዝምልከት ዘቕረብዎ ሰነዳት ቢቢሲ ነጻ ብዝኾነ ሳልሳይ ኣካል ከረጋግጽ ኣይኽኣለን።