እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቢቢሲ ትግርኛ: ምስ ህዝቢ ክላለ ይመጽኣኩም ኣሎ
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ቢቢሲ ኣምሓርኛ ከምኡ'ውን ቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ኢትዮጵያ ብምኻድ ምስ ተኸታተልቶም ይራኸቡ ኣለዉ።።
እዚ ካብ 4 ክሳብ 16 መጋቢት ዝካየድ ናይ ጎደና ምርኢት (ሮድ ሾው)፡ ኣብ ቢቢሲ ብዓይነቱ ሓዲሽ ተመክሮ ኮይኑ፡ ክትዓትን ልዝብን ብምክያድ፡ ኣብዚ ዞባ ንዘለዉ ተዓዘብቱ፡ ተኸታተልቱን ሰማዕቱን ሓዲሽን ፍሉይን ትሕዝቶ ከቕርብ'ዩ።
እዘን ሰለሰተ ቋንቋታት፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ 2017 ዝፈለማ ኮይነን፡ ኣብዚ ዞባ ንዝተኻየዱ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ሰኒደንን ኣቃሊሐንን'የን።
እዚ ናይ ጎደና ምርኢት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብ ዓመቱ ይካየድ ብምህላዉ፡ ኣብዚ ናይ ዓመት ስርሑ፡ ዘመዝገቦም ዓወታትን ዘጋጥምዎ ብድሆታትን ንኽንትንትን ዕድል ዝፈጥር ኣዩ።
ስለዝኾነ ድማ፡ ሎሚ ሰኑይ ቅድሚ ቀትሪ፡ ጉዕዞ ሓደ ዓመት ኣብይ ኣሕመድ ዝድህስስ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ'ሎ።
ኣብዚ ቢቢሲ ምስ ተኸታተልቱ ዝላለየሉ ጉዕዞ፡ ምስ ዓበይቲ ሰባት ቃለ መሕተት'ውን ክህልዉ እዮም።
እዚ ምስታ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝኾነት መኣዛ ኣሸናፊን፡ ተቓዋሚት ዝነበረት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ኣደ መንበር ኮምሽን ምርጫ ኮይና ዘላ ብርቱካን ሚደቕሳን የጠቓልል።
ምስ ብዙሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ'ውን ቃለ መሕተት ክካየድ እዩ።
ስለዚ፤ እዘን 11 መዓልታት ነዚ ኣብ ዘተፋላለየ ኩርናዓት እዛ ሃገር ዘሎ ተኸታታልን ብዙሕ ፍጻሜታትን ጉዳያትን እነቕርበሉ እዩ ክኸውን።
ኣብ ትግርኛ፣ ኣምሓሪኛን ኣብ ኣፋን ኦሮሞን፡ ኣብ ራድዮን ሶሻል ሚድያን ሓደሽቲ ትሕዝቶታት ክእንገዱ'ዮም።
እዚ ምርኢት ጎደና፡ ብዕለት 16 መጋቢት ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ጉዳይ ጉዳይ ስኑዕ ዜና ብሰለስቲኡ ቋንቋታት ብዝግበር ዘተን ክትዕን ክዛዝም እዩ።
ሓላፊት ቢቢሲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ራቸል ኣኪዲ "ድሌትና፡ ሞያን ስራሕን ጋዜጠኝነት ናብታ ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ፡ ናይ ለውጢ መንእሰያት ዘለዉዋ ሃገር ኢትዮጵያ ንዘለዉ ተዓዘብትና ንምትእትታው'ዩ።
እዚ ናይ ጎደና ምርኢት ከኣ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘርኣየቶ ኣገዳሲ ለውጢ ብምስናድ፡ ነቶም ክሳብ ሕጂ ዘጋጥሙ ዘለዉ ብድሆታት በርቢርና ንተዓዘብትና ምሉእ ዛንታ ኢትዮጵያ ንኽነቕርብ ዘኽእል ዕድል ክኸውን ተስፋ እገብር " ኢላ።