ተቓውሞ ኣልጀሪያውያን ኣንጻር ቡተፍሊቃ ይሕይል

ገዲም ፕረዚደንት ኣልጀሪያ ዓብደልዓዚዝ ቡቶፍሊቃ፡ ነቶም ካብ ስልጣን ንኽእለ ዝጽውዑ ዘለው ሰልፈኛታት ሸለል ብምባል ዳግማይ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ምኹኑ ኣፍሊጡ።

ክሳብ መወዳእታ ናይ ፕረዚደንትነት ስልጣኑ ከም ዘየገልግል ግን ገሊጹ።

ኣብ`ቲ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ዝካየድ ምርጫ እንተተዓዊቱ፡ ንሱ ዘይወዳደረሉ ሓድሽ ምርጫ ንምክያድ ዘኽእል ሓገራዊ ዋዕላ ከካይድ ምዃኑ ኣብ ዘዳለዎ ጽሑፍ ገሊጹ።

ንሓሙሻይ ጊዜ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ምዃኑ ምውሳኑ ግን ኣብ መላእ`ታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣላዓዒሉ`ሎ።

እቲ ወዲ 82 ዓመት ቡቶፍሊቃ፡ ኣብ 2013 ወቕዒ [ስትሮክ] ምስ ኣጋጠሞ ብዙሕ እዋን ብህዝቢ ኣይርአን`ዩ።

እቲ ናይ ተወዳደርቲ ምምዝጋብ ኣብ ሰንበት ፍርቂ ለይቲ ኣብ ዘብቅዓሉ ድማ ብዙሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣስዒቡ። መብጸዓ ቡተፍሊቃ ብዘየገድስ ድማ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ጸሓይ ዓራርቦ ናብ ጎደናታት ርእሰ-ከተማ ኣልጀርስ ውሒዞም።

ኣካያዲ ጎስጓስ ምርጫ ቡተፍሊቃ ኣብ ክንዲ`ቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝሕከም ዘሎ ሕሙም ፕረሲደንት ኮይኑ እቶም ዘድልዩ ናይ መወዳደሪ ቅጥዕታት ኣረኪቡ።

ኮሚሽን ምርጫ ኩሎም ተወዳደርቲ ብኣካል ቀሪቦ ናይ መወዳደር ወረቕቃቕቶም ከቕርቡ`ኳ እንተሓተተ፡ እቲ ቅዋማዊ ባይቶ ግን ቡተፍሊቃ ብኣካል ክቐርብ ናይ ግድን ኣይኮነን ኢሉ።

እማመ ናይ`ቲ ፕረደንት ከመይ`ዩ ክሰርሕ?

እቲ እማመ ብመልክዕ ጽሑፍ`ዩ ብመንግስታዊት ቴለቪዥን ቀሪቡ። እንተተመሪጹ ድማ ንዕኡ ተኪኡ ክመርሕ ዝኽእል ሰብ ንምምራጽ ሓደ`ሓቛፊ ዝኾነ ሃገራዊ ዋዕላ` ከዳሉ ምዃኑ ቡተፍሊቃ ገሊጹ።

ነቶም ንኣልጀሪያ ኣናዊጾም ዘለዉ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣፍልጦ ብምሃብ ድማ ዳግማይ ከምዘይወዳደር ገሊጹ።

`ነቲ ልባዊ ብኽያት ናይቶም ብዛዕባ መጻኢ ሃገርና ዝሓተቱኒ ሰልፈኛታት፡ ብፍላይ ድማ ናይቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ሰሚዔዮ ኣለኹ` ኢሉ`ቲ ብቴለቪዥን ዝቐረበ ጽሑፍ።

`እዞም መንእሰያት ብዛዕባ`ቲ ዝጽበዮም ዘሎ ርጉጽ ዘይኮነ መጻኢ ርዱእ ዝኾነ ስክፍታ`ዮም ገሊጾም። ኣነ ድማ ነቶም ልብታትን መንፈሳትን ናይ ደቂ ሃገረይ ናይ ምርግጋእ ሓላፍነትን ድልየትን ኣለኒ` ድማ ኢሉ።

ካልኦት ተወዳደርቲ`ኸ በዓል መን`ዮም?

ዛጊት ኣብ ኣልጀሪያ `ለውጢ` ከምጽእ ዝተመባጽዐ ጡረተኛ ወተሃደራዊ ጀነራል ዓሊ ገዲሪ ዝርከቦም ሽዱሽተ ካልኦት ተወዳደርቲ`ውን ተመዝጊቦም ኣለዉ።

ብኣልጀሪያውያን መንእሰያት ህቡብ`ዩ ዝበሃልን፡ ኣብ ፌስቡክ ብዙሓት ተኸተልቲ ዘለውዎን ነጋዳይ ራሺዲ ኔካዝ`ውን ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ፡ እንተኾነ ግን መሰል የብሉን`ዩ ዝበሃል።

ብተመሳሳሊ ስም ራሺዲ ኔካዝ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መካኒክ ዝኾነ ወዲ ሓወቡኡ/ሓትንኡ/ኣኮኡ ግን ክወደዳር ተመዝጊቡ`ሎ። እቲ ነጋዳይ ራሺዲ ድማ ከም ኣካያዲ ናይ ምርጫ ጎስጓሱ ኮይኑ ከገልግል ምዃኑ ገሊጹ`ሎ።

ክልተ ሰልፍታት ተቕቃውሞ ዝኾና ሌበር ፓርቲን እስላማዊ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ንሰላምን ድማ ነቲ ምርጫ ከምዝሕሰምኦ ገሊጸን ኣለዋ።

ኣብ ዝሓለፉ ምርጫታት ቀንዲ ተወዳዳሪ ቡተፍሊቃ ዝነበረ ዓሊ ቤንፊስ ግን ኣይወዳደርን`ዩ።

እዞም ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዘይልሙዳት ድዮም?

ብርግጽ። ኣብ ኣልጀሪያ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝውቱር ኣይኮነን። ቡተፍሊቃ ቅድሚ 20 ዓመት ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንነጀው ድማ እቶም ዝዓበዩ ተርእዮታት`ዮም። ቅድሚ ዓሰርተ መዓልታት ቡተፍሊቃ ኣብ`ቲ ምርጫ መሊሱ ክወዳደር ምዃኑ ምስ ኣፍለጠ ድማ`ዮም ጀሚሮም።

ብሰንበት ድማ ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ኣልጀርስ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ወጺኦም ተቕቃውሞኦም ኣስሚዕም።

ፖሊስ ነቶም ኣብ ኣልጀርስ ናብ ጎደናታት ዝወጹ ተማሃሮ ሰልፈኛታት ንምብታን ብርቱዕ ማይ ዝጭንጉዕ መሳርሒ ተጠቒሞም ይበሃል።

ኣብ`ታ ብዙሓት ኣልጀራውያን ባዕዳዊት ገዛኢት ኣልጀሪያ ዝነበረት ፈረንሳ`ውን ናይ ተቕቃውሞ ሰልፍታት ተኻይዶም ነይሮም።

`ኣንጻር`ቲ ፕረሲደንት ተቓውሞ የብልናን። እንተኾነ ግን ሃለዋቱ ኣይፈልጥን`ዩ። ብህይወት ከምዘየሎ`ዩ ዝቑጸር። እቶም ወተሃደራዊ ጀነራላቱን መቕርቡን`ዮም ብድህሪ ኮይኖም ድላዮም ዝገብሩ ዘለዉ` ኢሉ ሓደ ሰልፈኛ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።

ዓብደልዓዚዝ ቡተፍሊቃ መን`ዩ?

ቡተፍሊቃ ኣብ 1999 እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ። ነቲ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ሰባት ዝቐዘፈ ኲናት ሓድሕድ ደው ብምባሉ ድማ ይነኣድ።

ኣብ 2011 ኣብ እዋን ጽድያ ዓረብ [ኣራብ ስፕሪንግ]፡ ተቓውሞ ኣንጻር ልዑል ዋጋታት መግቢን ሽቅለት ኣልቦነትን ተባሪዑ፡ ቡተፍሊቃ ድማ ንሓደ ካብ ቀንዲ ጠለባት ሰልፈኛታት ዝኾነ ንኣስታት 20 ዓመት ዝጸንሐ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ኣልዒሉ።

ድሕሪ`ቲ ዘጋጠሞ ወቕዒ፡ ኣብ`ቲ ብተቓወምቲ ዝተነጽገ ምርጫ ዳግማ ተዓዊቱ፡ ነቲ ሓያል ትካል ስለያ`ታ ሃገር ብምፍራስ ድማ ብኻልእ ንዕኡ ምእዙዝ ዝኾነ ትካል ተኪእዎ።

ብምኽንያት`ቲ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ናይ ጥዕና ጸገም ስርሑ ብግቡእ ክሰርሕ ኣይክእልን`ዩ ይብሉ ወቐስቱ።

እቲ ተቕቃውሞ ብዘየገድስ፡ ቡተፍሊቃ ኣብ`ቲ ናይ ሎምዘመን ምርጫ ክዕወት ምዃኑ ብሰፊሑ ይንገረሉ።

ደምበ ተቕቃምዎ ኣልጀሪያ ተገማሚዑ`ዩ፡ ቡተፍሊቃ ድማ ነቲ ናይ 2014 ምርጫ ብሰይ ገለ ጎስጓስ`ዩ ተዓዊትሉ።