ኣልጀርያ ንስደተኛታት ናብ ሳሃራ ትሰጉግ

ትካል ስደተኛታት ዓለም ከም ዝሕብሮ ካብ መስከረም ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ከባቢ 10000 ሰደተኛታት ኣብ ሳሃራ ከም ዝተደርበዩ ሓቢሩ።

ገሊኦም ሰባት ብሰምሰርቲ ኣብቲ ቦታ ከም ዝተሓደጉን፡ ገሊኦም ከኣ ብሓለፍቲ ኣልጀርያ ናብ ሳሃራ ከም ዝተሰጉን ክፍለጥ ተካኢሉ'ሎ።

ብሰንኪ ሓያል ዋዒ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝሞቱ'ውን ይግለጽ።

ሓደ ስደተኛ ናይ ሰሃራ "ንብረትና፣ ገንዘብና፡ ሞባይላትና ኩሉ ዝነበረና ወሲዶሞ። ኣብ ምድረበዳ ሳሃራ ደርቢዮምና። ንዶብ ኒጅር ክንበጸሕ ሓያሎ ከሎሜተራት ብእግርና ክንጓዓዝ ተገዲድና። እቲ ጉዕዞ ከም ኣብ ገሃነም ምጉዓዝ'ዩ ነይሩ። ዝጠነሳ ኣንስት ምስ ህፀናት ኣብ ናይ ሳሃራ ጸሐይ ኣድካሚ ጉዕዞ እግሪ ተጓዒዞም። ዝብላዕ ይኩን ዝስተ ኣይነበረናን። ብሰንኪ ናይ ሳሃራ ንፋስን ሐመድን ክልተ ከም ዝሞቱ ሰሚዕና" ክብል ተመክሮኡ የዘንቱ።

ሓላፊ ወኪል ስደተኛታት ዓለም ኣብ ኒጀር ጂስፕ ሎፐረተ፡ እዚ ጉዳይ ኣቃልቦ ናይ ዓለም ክረክብ ብዙሕ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊፁ።

ሎፐረተ ንቢቢሲ ከም ዝሐበሮ፡ ሰብ መዚ ኣልጀርያ "እቲ ውሳነ ኣንጻር ግብረሸበራን ስግኣት ፀጥታንን ዝዓለመ'ዩ" ብምባል ይማጎቱ።

ብተወሳኺ ዝኾነ ሰብ መንነቱ ዘይተፈልጠ ዶብ ሰጊሩ ክኣቱ ኣይንደልን ብምባል ንውሳነኦም ኣትሪሮም ተኸላኺሎም።

እንተኾነ ግን ትካል ስደተኛታት ዓለም ከም ዝመልክቶ፡ ገሊኦም ስደተኛታት ኣብ ኣልጀርያ ዝረኸብዎ ወረቐት ስደተኛታት ሒዞም ከም ዝጸንሑን፡ ብሓይሊ ናብቲ ሐደገኛ ጉዕዞ ከም ዝተገደዱን ተፈሊጡ።